ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/3 ገጽ 3-4
  • የሱስ ኣብ ደቅሰብ ብሓፈሻ ዘለዎ ጽልዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ደቅሰብ ብሓፈሻ ዘለዎ ጽልዋ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ናይ ሓቂ የሱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሱስ ሰባት ብዛዕባኡ እንታይ ይብሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ሎሚ ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ዜውዕልዎ ኣለዉዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን እዮም፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/3 ገጽ 3-4

የሱስ ኣብ ደቅሰብ ብሓፈሻ ዘለዎ ጽልዋ

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጓሚ ዝዀነ ኤድጋር ጉድስፒድ “እቲ የሱስ ብምስጢር ይኹን ብጋህዲ እተዛረቦ ኣብ ወንጌላት ተመዝጊቡ ዚርከብ ጸብጻብ ብምሉኡ: ምናልባት ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰዓት እተዛረቦ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እዚ ሒደት ሓሳባት ዝሓዘ ትምህርቱ ኣብ ህይወት ሰባት ዓሚቝ ጽልዋ ስለ ዘሕደረ: ከምኡ ገይሩ ንዓለም ዝጸለዋ ሰብ የልቦን ኪበሃል ይከኣል እዩ” በለ።

የሱስ ክርስቶስ ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን ብውሑዱ 120 ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ሰዓብቲ ነበርዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:15) ኣብዚ ሎሚ እዋን ድማ ካብ ክልተ ቢልዮን ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት ክርስትያናት ከም ዝዀኑ ይዛረቡ። በማእታት ሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸኣ ንየሱስ ነብዪ ኸም ዝዀነ ይቕበልዎ። ትምህርትታቱ ብሓቂ ኣብ ደቅሰብ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

ብዛዕባ እቲ የሱስ ብደረጃ ዓለምለኸ ዘሕደሮ ጽልዋ ክርስትያናት ዘይኰኑ መራሕቲ እውን ከይተረፉ ኣፍልጦ ሂቦምሉ እዮም። ንኣብነት: ሃይማን ኢኔሎ እተባህለ መምህር ኣይሁድ “የሱስ ኣብ ሃይማኖታዊ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ኣዝዩ ህቡብን ኣዝዩ እተተኰረሉን ዓብዪ ጽልዋ ዘሕደረን ሰብ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ኣስዒቡ ድማ “ካብ የሱስ ንላዕሊ ኣብ ደቅሰብ ጽልዋ ዘሕደረ እሞ መን ኣሎ፧ ከምቲ ንሱ ዘርኣዮ ፍቕሪ: ዝሃቦ መጸናንዒ: ዝገበሮ ጽቡቕ ግብሪ: ከምኡውን ዝሃቦ ተስፋን ሓጐስን ዝበለ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣይተራእየን። ንኣልባብ ሰባት ብሓፈሻ ብምምራኽን ብምጽላውን ዝመጸ የሱስ ካብቶም ህቡባትን ገበርቲ ሰናይን ንላዕሊ እዩ። ኣብ ታሪኽ: እቲ ኣዝዩ ዚምስጥ ዓይነት ሰብ ድማ ኰነ” በለ። ናይ ሂንዱ ሃይማኖት መራሒ ዝነበረ ሞሃንደስ ካራምቻንድ ጋንዲ ኸኣ “ኣነ ኸም ዝፈልጦ: ካብ የሱስ ንላዕሊ ንደቅሰብ ጽቡቕ ዝገበረ ሰብ የልቦን። ርግጽ እዩ ክርስትና ብርእሱ ሕማቕ ኣይኰነን። እቲ ሽግር ምሳኻትኩም ምስ ክርስትያናት እዩ ዘሎ: ከመይሲ ነቲ እትምህርዎ ኣብ ግብሪ ኣይተውዕልዎን ኢኹም” በለ።

ህዝበ-ክርስትያን ንትምህርትታት የሱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ካብ እትገድፎ ነዊሕ ገይራ እያ። ጸሓፍ ታሪኽ ክርስትና ዝዀነ ሲሰል ጆን ካዱ ነዚ ኣመልኪቱ “ካብ 140 ዓ.ም. ኣትሒዙ . . . መራሕቲ ክርስትና ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ቀስ ብቐስ እናስፋሕፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት ኣስተብሂሎምሉ እዮም። . . . እቲ ንስነ-ምግባር ብዚምልከት ዝነበረ ተሪር ሕግታት እናነከየ ምኻዱ: ነቲ ዓለም እትምርሓሉ መገዲ ንምቕባል ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ” በለ።

ኣብ ራብዓይ ዘመን: ናይ ሮማ ሃጸይ ዝነበረ ቆስጣንጢኖስ ክርስትና ምስ ተቐበለ እዚ ስነ-ምግባራዊ ውድቀት እዚ ገደደ። ካዱ ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ “ጸሓፍቲ ታሪኽ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ምስ ቆስጣንጢኖስ ዝነበራ ርክብ ተዓዚቦምዎ እዮም: ንገለ ኻባታቶም ከኣ ኣጕሂይዎም እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። ካብ ሽዑ ንነጀው ኣብ ዘሎ ዘመናት: ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ንስም ክርስቶስ ዜሕስር ብዙሕ ተግባራት ፈጺሞም እዮም።

ስለዚ እምበኣር: ሕጂ ንዓና ዜገድሰና ሕቶታት: ‘የሱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ምሂሩ፧ ትምህርትታቱኸ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኼሕድር ይግባእ፧’ ዚብል እዩ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

“ኣነ ኸም ዝፈልጦ: ካብ የሱስ ንላዕሊ ንደቅሰብ ጽቡቕ ዝገበረ ሰብ የልቦን።”—ሞሃንደስ ካራምቻንድ ጋንዲ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ እስሊ]

“ከምኡ ገይሩ ንዓለም ዝጸለዋ ሰብ የልቦን።”—ኤድጋር ጉድስፒድ

[ምንጪ ስእሊ]

Culver Pictures

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ