ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/2 ገጽ 32
  • መን ኰን እዩ ንዓለም ኪምግባ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መን ኰን እዩ ንዓለም ኪምግባ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/2 ገጽ 32

መን ኰን እዩ ንዓለም ኪምግባ፧

ሓደ ኣንጻር ጥሜት ዚቃለስ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ብዝገመቶ መሰረት: 800 ሚልዮን ሰባት መብዛሕትኦም ቈልዑ ኣብ ዓጸባ ይርከቡ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ እቲ ማሕበር ከም ዚበሎ ሓያሎ ምዕቡላት ሃገራት ነዚ ሽግር እዚ ኼውዕላኦ ዝነበረን ሃብትን ፍልጠትን ኣብ ከም እኒ ግብረ-ሽበራ ዝኣመሰለ ጸገማት የውዕላኦ ኣለዋ። ዝርጋሐ ለበዳ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ነቲ ሽግር ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ሸሚምዎ ይርከብ። ብዛዕባ እተን አይድስ ኣስፋሕፊሑለን ዘሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ: ናይቲ ማሕበር ግሎባል ስኩል ፊዲንግ ሪፖርት ከምዚ በለ:- “ምሉእ ወለዶ ወለዲ እዩ ዚጸንት ዘሎ። እቶም ዚሓድግዎም ውሉዳት ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኻብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብንቡር ዚመሓላለፍ መሰረታዊ ፍልጠት ሕርሻን ህይወት ንምምራሕ ዜድሊ ፍልጠትን ከይረኸቡ እዮም ገዛእ ርእሶም ኪኣልዩ ዚግደዱ ዘለዉ።”

ዓለማዊ ፕሮግራም ምግቢ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ሓደ መደብ ሓንጺጹ ይርከብ: እዚ ድማ እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ መዓልቲ ምግቢ ኸም ዚቐርብ ምግባር እዩ። ዕላማ እዚ መደብ እዚ ናይ ጥሜት ሽግር ንምቅላል ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ስሩዕ መደብ ትምህርቲ ኣቢሉ ነቶም መንእሰያት ካብ ኤች.ኣይ.ቪ./አይድስ ንምክልኻል ዜኽእል ተወሳኺ ትምህርቲ ንምሃብ እዩ።

እዚ መደብ እዚ ኣብ እተኻየደሉ ኣብያተ-ትምህርቲ ድማ: ቈልዑ መኣዛ ዘለዎ ምግቢ: ስልጠና ናይ ብሕቲ ጽሬት: ከምኡውን ካልእ ሓገዛት ይረኽቡ። ኣብቲ ናይ ባህሪ ለውጢ እተገብረሉ ኸኣ ፍጥነት ለበዳ ኤች.ኣይ.ቪ./አይድስ ከንቈልቍል ተራእዩ እዩ።

እቲ ዜሕዝን ግን: መብዛሕትኡ ግዜ ኻብቲ ደቅሰብ ዚገብርዎ ጻዕሪ ዚርከብ ውጽኢት እተወሰነ ጥራይ እምበር ምሉእ ለውጢ ኼምጽእ ኣይተራእየን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ናይ ጥሜት ጸገም ነባሪ ፍታሕ ከም ዘሎ ዜጸናንዕ ተስፋ ይህብ። መዝሙር 72:16 “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: . . . ኪኸውን [እዩ]” ትብል። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ “ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን: . . . ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ: እኽሊ ተዳልወሎም” ኪብልዎ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 65:9

[ምንጪ ስእሊ]

WFP/Y. Yuge

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ