ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w05 15/2 ገጽ 27
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ካብ ካልኣይ መጽሓፍ ሳሙኤል ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ዓሞናውያን ንሕያውነት ብጽልኢ ዝፈደዩ ህዝቢ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ከም ልቢ የሆዋ ዝበለ ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
w05 15/2 ገጽ 27

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኸም ልቢ ኣምላኽ እተባህለ ዳዊት ከምቲ ገሊኦም ኣብ 2 ሳሙኤል 12:31 ከምኡውን 1 ዜና መዋእል 20:3 ተመርኲሶም ዚገልጽዎ ንምሩኻቱ ብዜስካሕክሕ መገዲ ድዩ ዜሳቕዮም ነይሩ፧

ኣይፋሉን። ዳዊት ነቶም ዓሞናውያን ምሩኻት ሸቕሊ ጥራይ እዩ ዜሸቅሎም ነይሩ። ገሊኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን ጥቕስታት እዚኣተን ዝተርጐመሉ መገዲ ብዛዕባ ተግባራት ዳዊት ግጉይ ምርዳእ ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ።

እዘን ጥቕስታት እዚኣተን ነቲ ዳዊት ንዓሞናውያን ዝገበሮ ነገር ከም ባርባራውን ጭካነ ዝመልኦን ገይረን እየን ገሊጸናኦ። ንኣብነት: ብመሰረት እቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ 2 ሳሙኤል 12:31 ከምዚ ትንበብ:- “ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታት ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም: ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከምኡ ገበረ።” ኣብ 1 ዜና መዋእል 20:3 ዚርከብ ጸብጻብ እውን ብተመሳሳሊ መገዲ እዩ ተተርጒሙ ዘሎ።

ይኹን እምበር: ሳሙኤል ሮልስ ድራይቨር ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከም ዝገለጾ: ጭካነ “ምስ ኵሉ እቲ እንፈልጦ ባህርያትን ጠባያትን ዳዊት ዚቃዶ ኣይኰነን።” በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ ዘ ኣንከር ባይብል ዘርእስታ ጽሕፍቲ እተዋህበ ሓሳብ “ዳዊት ነቶም ምሩኻቱ ብቝጠባዊ መዳይ ንኺጥቀመሎም የስርሖም እዩ ነይሩ: እዚ ኸኣ ኣብቶም ዕዉታት ነገስታት ልሙድ ዝነበረ እዩ ዚመስል” ይብል። ኣዳም ክላርክ ድማ ምስዚ ብምስምማዕ “ነቶም ህዝቢ ብመጋዛት ከም ዚቘርጹ: ኣፍራዛ ሓጺን ከም ዚሰርሑ: ወይ ኣብ ዕደና ኸም ዚዓዩ . . .: ዕንጨይቲ ኸም ዚቘርጹ: ከምኡውን ጡብ ከም ዚሰርሑ ብምግባር ባሮት እዩ ገይርዎም። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ዘሎ መግለጺ ንሰብ ብመጋዝ ምስንጣቕን ምቝራጽን ምምታርን ምውቃርን ዚብል ሓሳብ የብሉን: ዳዊት እውን ንዓሞናውያን ከምኡ ኺገብሮም ዘይመስል እዩ” በለ።

እተፈላለየ ዘመናዊ ትርጕማት ነዚ ቕኑዕ ምርዳእ ብምንጽብራቕ: ዳዊት ብኢሰብኣዊ ተግባራት ኪኽሰስ ከም ዘይብሉ ንጹር ገይረን ኣለዋ።a ንኣብነት: ትርጕም 1990 ብኸመይ ከም ዝተርጐሞ ንመልከት:- “ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ሕዝቢውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብኣፍራዛን ብምሳርን ከም ዚሠርሑ ገበሮም፥ ጡብ ኪሠርሑ ኸኣ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን።” (2 ሳሙኤል 12:31) “ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ኸኣ ኣውፂኡ ብመጋዛትን ብኣፍራዛን ብማሕጸታትን ኪዓዩ ኣገደዶም። ኣብ ኵለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረ።” (1 ዜና መዋእል 20:3) ትርጕም ሓዳስ ዓለም እውን ሕጂ ዘለዉ ምሁራት ብዚሰማምዑሉ መገዲ እዩ ተተርጒሙ። ከምዚ ድማ ይብል:- “ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውጺኡ ኣእማን ኪምግዙ: በሊሕ መሳርሒታት ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ከኣ ኪዓዩ ኣንበሮም: ጡብ ኣብ ምስራሕ እውን ከም ዚዓዩ ገበሮም።” (2 ሳሙኤል 12:31) “ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ ኣውጺኡ ኣእማን ኪምግዙ: በሊሕ መሳርሒታት ሓጺንን ማሕጸን ከኣ ኪዓዩ ኣንበሮም፣ ዳዊት ድማ ንዅለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ።”—1 ዜና መዋእል 20:3

ዳዊት ነቶም እተሳዕሩ ዓሞናውያን ብባርባራዊ መገዲ ኣየሳቐዮምን: ብዜስካሕክሕ መገዲውን ኣይቀተሎምን። ነቲ ኣብቲ ግዜኡ ኣብ ውግእ ዚግበር ዝነበረ ኣራዊታውን ጭካነ ዝመልኦን ኣገባብ ኣይቀድሖን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ሓንቲ ፊደል ጥራይ ለውጢ ብምግባር: እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ “ኣብቲ መጋዝ ገበሮም” ወይ “ቈራረጾም (መገዞም)” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እታ “ናይ ጡብ እቶን” ተባሂላ እተተርጐመት ቃል “መውጽኢ ቕርጺ ጡብ” ዚብል ትርጕም እውን ኣለዋ። እዚ መውጽኢ ቕርጺ እዚ ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝዀነ ሰብ ኪሓልፈሉ ኣይክእልን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ