ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/12 ገጽ 30
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ብኣልኮላዊ መስተ ዝመጸ ሚዛናዊ ኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/12 ገጽ 30

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ሓደ ክርስትያን መንፈሳውን ስምዒታውን ድኻም ኬጋጥሞ ኸሎ እንታይ ኪገብር ይኽእል፧

መበገሲ ድኻምና ኽንፈልጦ ይግባእ። ከምዚ ብምግባር ንልማዳትናን ጥሪትናን ክንምርምር: ነቲ ዚኸብደና ዘበለ ኸኣ ከነርሕቕ ንኽእል። ምስ ኵነታትና ዚሰማማዕ ሸቶታት ከነውጽእ ንኽእል። ንመንፈሳዊ ጥዕናና ምክንኻን ኣገዳስነት ኣለዎ: እዚ ኸኣ ኣዘውቲርና ምጽላይን ምስትንታንን ኬጠቓልል ኣለዎ።—15/8 ገጽ 23-6

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ ዚወስድዎ ስለምንታይ እዮም፧

ሃዋርያ ዮሃንስ ነቶም 144,000 ድሕሪ ምርኣዩ: ነቶም “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል ብዙሓት ሰብ” ረኣየ። (ራእይ 7:4, 9) እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ምሳልያዊ እንተ ዀይኑ: ነቲ ዘሎ ናይ ትርጕም ምንጽጻር እዩ ዜጥፍኦ። የሱስ ነቶም ምስኡ ዚገዝኡ “ሒደት መጓሰ” ኢልዎም እዩ። (ሉቃስ 12:32)—1/9 ገጽ 30

• እስራኤላውያን ሕሉቕ ንጓና ኺሸጡ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

ሓደ ጓና ወይ ስደተኛ ጵሮሴሊት እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ትሕቲ እቲ ሕጊ ኣይኰነን ዚነብር። ስለዚ: እስራኤላውያን ንሕሉቕ ኪህቡ ወይ ኪሸጡ ተፈቒዱሎም ነበረ። (ዘዳግም 14:21) ጵሮሴሊት ግን በቲ ሕጊ ኺዳን ይቕየድ ስለ ዝነበረ ሕሉቕ ኣይበልዕን ነበረ። (ዘሌዋውያን 17:10)—15/9 ገጽ 26

• ባዮሚመቲክስ እንታይ እዩ: ንክርስትያናት ዜገድሶምከ ስለምንታይ እዩ፧

ተፈጥሮኣዊ ንድፊ ንምቕዳሕ ዚጽዕር ዓውዲ ስነ-ፍልጠት እዩ። ንኣብነት: ደቂ ራይት ዚበሃሉ ኣሕዋት ዓበይቲ ኣዕዋፍ ብኸመይ ከም ዚነፍራ ድሕሪ ምጽናዕ ነፋሪት መሃዙ። ስለዚ: እዚ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት እዚ ንሓደ ክርስትያን ንፈጣሪ ኽብሪ ኺህብ የለዓዕሎ።—1/10 ገጽ 9

• እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 12:2-4 ተጠቒሱ ዘሎ ናብ ገነት እተዘረፈ ሰብኣይ መን እዩ፧

እዚ ሓሳብ እዚ ደድሕሪ እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ ሃዋርያነቱ ዝገበሮ ጥብቅና እዩ ተጻሒፉ እንረኽቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገር ብዛዕባ ዘሕለፈ ኻልእ ሰብኣይ ኣይጠቅስን እዩ: ጳውሎስ ድማ እዩ ብዛዕባኡ ዚነግረና ዘሎ። ስለዚ: ጳውሎስ ባዕሉ ራእይ ርእዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—15/10 ገጽ 8

• ገለ ኻብቲ የሱስ ብኣምላኽ እተመርጸ መራሒ ኪኸውን ዜብቅዖ ባህርያት እንታይ እዩ፧

የሱስ ሓቀኛን ቅኑዕን ብምዃን ፍጹም ንጽህናኡ ሓልዩ እዩ። ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ እተወፈየ ነበረ። ንደቅሰብ ኣጸቢቑ ይሓልየሎም ከምኡውን ንኺዓዪ ፍቓደኛ ነበረ።—1/11 ገጽ 6-7

• ኣጋንንቲ ኣብተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ኣበይ እዮም ኪነብሩ፧

ኣብተን ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ንሳቶም እውን ምስ ሰይጣን ተኣሲሮም ኣብ መዓሙቝ ከም ዚድርበዩ ብ ርትዓዊ መደምደምታ ኽንበጽሕ ንኽእል ኢና። (ራእይ 20: 1-3) ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ርእሲ እቲ ተመን ከም ዚጭፍለቕ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ እዩ: እዚ ኸኣ ንሽሕ ዓመት ኣብ መዓሙቝ ዚእሰረሉ ዅነታት ዜጠቓልል እዩ። ዘርኡ እኩያት መላእኽቲ ወይ ኣጋንንቲ እውን ዝሓቘፈ እዩ። ንመዓሙቝ ዓብዪ ፍርሃት ምፍርሆም ኣብዚ ቐይዲ እዚ ኺኣትዉ ምዃኖም ከም ዚፈልጡ ዚሕብር እዩ። (ሉቃስ 8:31)—15/11 ገጽ 30-1

• ኣልኮላዊ መስተ ብምስታይ ዝመጸ ሓደ ሰብ ከም ዝሰኸረ ኽሳዕ ዚፍለጥ እኳ እንተ ዘይሰተየ: ጥንቁቕ ኪኸውን ዘለዎ ግን ስለምንታይ እዩ፧

ገሊኦም ሰባት ብዙሕ መስተ ሰትዮም ክነሶም ከም ዝሰኸሩ ዳርጋ ኣይፍለጡን እዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ቀስ ብቐስ ኣልኮላዊ መስተ ኺውለፍን ‘ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባርያ ኪኸውንን’ ይኽእል እዩ። (ቲቶስ 2:3) የሱስ “ስስዔን ስኽራንን [“ምብዛሕ መስተን:” NW] . . . ንልብኹም ከይኸብድ” ኢሉ ኣጠንቂቑ እዩ። (ሉቃስ 21:34, 35) ሓደ ሰብ ብስጋዊ ዀነ ብመንፈሳዊ ብዕዙዝን ህኩይን ንኪኸውን ናይ ግድን ኪሰክር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን።—1/12 ገጽ 19-21

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ