ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/10 ገጽ 32
  • ጸወታ መሕለፍ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸወታ መሕለፍ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/10 ገጽ 32

ጸወታ መሕለፍ ግዜ ጥራይ ኣይኰነን

ቈልዑ ጸወታ ይፈትዉ እዮም። እንተዀነ ግን: ዘ ደቨሎፒን ቻይልድ (ዚዓቢ ቘልዓ) ዘርእስታ መጽሓፍ እዚ “ዘይረብሕ ወይ ከንቱ ነገር ኣይኰነን” በለት። “ልቢ ዜዕብዩ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብዚ ተበጊሶም እዩ ዚመስል።” ቈልዑ ኺጻወቱ ኸለዉ: ንህዋሳቶም ብዚግባእ ምጥቃም ይመሃሩ: ኣከባቢኦም ይርድኡ: ምስ ካልኦት ከኣ ይተሓዋወሱ።

ቈልዑ ደቂ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ዚዀኑ ኣትሒዞም: ኣብ ጸወታኦም ንዓበይቲ ኪቐድሕዎም ይጅምሩ። ሓደ እዋን የሱስ ብዛዕባ ዚጻወቱ ቘልዑ ተዛሪቡ ነይሩ። ገሊኦም ኣብ “መርዓ” ዚግበር ነገራት ኪጻወቱ ኺደልዩ ኸለዉ: ገሊኦም ከኣ ኣብ እንዳ “ሓዘን” ዚግበር ነገራት እናቐድሑ ኺጻወቱ ደለዩ። ነቶም ኪጻወቱ ዘይደለዩ ድማ ምሳታቶም ኪሓብሩ ደፋፍእዎም። (ማቴዎስ 11:16, 17) እዚ ዓይነት ጸወታ እዚ ኣብ ኣእምሮ ዚዓቢ ቘልዓ ጦብላሕታ ንምሕዳግ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ።

እዘን ኣብዚ ስእሊ ዘለዋ ቘልዑ ኸም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህርን ተመሃሪትን ኰይነን እየን ዚዋስኣ ዘለዋ። ናይ ብሓቂ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይኰናን ዚገብራ ዘለዋ: ንኻልኦት መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃር ዚብልዎ ሓሳብ ግን ኣብ ኣእምሮአን ሰሪጹ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣገዳሲ እዩ: ከመይሲ: የሱስ ንዅሎም ሰዓብቱ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ዝመሃሮም ኵሉ ንሰባት ኪሕልዉዎ ኺምህሩን ኣዚዝዎም እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20

ወለዲ በቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ: ዝርርብ ይህቡ: ወይ ካብ ቤት ናብ ቤት ይሰብኩ ኸም ዘለዉ ዀይኖም ዚጻወቱ ወሉዳቶም ኪሕበኑ ይግብኦም። ብባህሪኦም ቈልዑ ዓበይቲ ኺገብሩ ዝረኣይዎ እዮም ዚቐድሑ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጸወታታቶም “ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን” ይዓብዩ ኸም ዘለዉ ዜርኢ እዩ።—ኤፌሶን 6:4

የሆዋ ንቘልዑ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ግደ ኺህልዎም ይደሊ እዩ። እቲ ሕጊ ኺንበብ ከሎ እቶም “ቈልዑ” እውን ኪእከቡ ንሙሴ ነጊርዎ ነይሩ። (ዘዳግም 31:12) ቈልዑ ኣብዚ ግደ ኸም ዘለዎም እንተ ተሰሚዕዎም: መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ኣብ ጸወታኦም ይንጸባረቕ እዩ። ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሩ ዚጻወት ቈልዓ ኸኣ ናብኡ ንምብጸሕ ቀዳማይ ስጕምቱ እዩ ዚስጕም ዘሎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ