ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/10 ገጽ 3-4
  • ክትተኣማመነሉ እትኽእል ውርሲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክትተኣማመነሉ እትኽእል ውርሲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ትሑታት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም’—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ነቲ ኽቡር ውርሻኻ ተኸላኸለሉ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • እያሱ—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
  • እቲ ኽቡር ውርሻና—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/10 ገጽ 3-4

ክትተኣማመነሉ እትኽእል ውርሲ

“ውርሲ ተሓዲጉልካ ኸም ዘሎ እትገልጽ ደብዳበ እንተ መጺኣትካ: ተጠንቀቕ። ኣደዳ ዝወጸሉ መታለሊ ኸይትኸውን።”

ምቍጽጻር ጶስጣ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መጠንቀቕታ ኣብ ዌብ ሳይት ኣውጺኡ ነይሩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ‘ዘመድካ ሞይቱስ ውርሲ ገዲፉልካ ኣሎ’ ዚብል ደብዳበ ይበጽሖም ነይሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ሓያሎ ሰባት እቲ ውርሲ ኣበይ ከም ዘሎን ብኸመይ ከም ዚረኽብዎን ንምፍላጥ 30 ዶላር ኣመሪካ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናብቲ ዝለኣኸሎም ኣካል ይሰዱ። ኣብ መወዳእታ ግን ጓሂ ጥራይ እዮም ዚዓጽዱ። ከመይሲ: ኵሎም እቶም ገንዘብ ዚልእኩ ሓደ ዓይነት ምላሽ እዮም ዚረኽቡ። እወ: ውርሲ ዚበሃል እውን ፈጺሞም ኣይረኽቡን እዮም።

ከምዚ ዝኣመሰለ ውዲት ነቲ ሰባት ውርሲ ንምርካብ ዘለዎም ተፈጥሮኣዊ ባህጊ እዩ ዚምዝምዝ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እቶም ውርሲ ዜውርሱ “ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ ብኣወንታ እዩ ዚዛረበሉ። (ምሳሌ 13:22) ከም ሓቂ እኳ ነታ “ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም” እትብል ኣጸቢቓ እትፍለጥን እትፍቶን መግለጺት: የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት እዩ ተዛሪብዋ።—ማቴዎስ 5:5

እተን የሱስ እተዛረበን ቃላት ነቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ዘመናት ኣቐዲሙ ብመንፈስ ተደሪኹ “ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብምባል እተዛረቦ እየን ዜዘኻኽራና።—መዝሙር 37:11

‘ንምድሪ ምውራስሲ’ ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ ተስፋ ዀን እዩ! እዚ ግን ንሰባት ንምምዝማዝ ተባሂሉ እተገብረ ውዲት ከም ዘይኰነ ኸነረጋግጽ ንኽእልዶ፧ እወ: ንኽእል ኢና። ምድሪ ሓንቲ ኻብቲ ዜደንቕ ፍጥረት የሆዋ ብምዃና: ከም ደኳኒኣን ዋንኣን መጠን ንዝደለዮ ኼውርሳ መሰል ኣለዎ። ብንጉስ ዳዊት ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ፍቑር ወዱ የሱስ ክርስቶስ “ኣህዛብ ንርስትኻ: ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ: ለምነኒ” ኢሉ ብትንቢት ተመባጺዑሉ ነይሩ። (መዝሙር 2:8) በዚ ምኽንያት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንየሱስ “[ኣምላኽ] ወራስ ኵሉ ዝገበሮ” ብምባል ገለጾ። (እብራውያን 1:2) እምበኣር: የሱስ ትሑታት ወይ ዓቃላት “ንምድሪ ኺወርስዋ” ምዃኖም ኪዛረብ ከሎ: ኬታልል ኢሉ ኸም ዘይኰነን ነዚ መብጽዓ እዚ ንምፍጻም ስልጣን ከም ዘለዎን ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 28:18

ስለዚ: እዚ ዚስዕብ ኣገዳሲ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል:- እዚ መብጽዓ እዚ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧ ኣብ ኵሉ ቦታታት ዚሰልጦም ዘሎን ዝደለይዎ ነገር ዚረኽቡ ዘለዉን እቶም ቍጡዓትን ዕቡያትን ካብ ኰኑ: እቶም ትሑታት ኪወርስዎ ዝተረፈ ነገር ደኣ እሞ እንታይ ኣሎ፧ ኣብ ርእሲ እዚውን ምድሪ ብሰንኪ ብከላ ኸቢድ ጸገማት ኣለዋ: ነቲ ሃብታ እውን እቶም ስሱዓትን ኣርሒቖም ዘይርእዩን ይጕሕጕሕዎ ኣለዉ። ከምዚ ኻብ ኰነ ውርሲ ተባሂሉ ኺዝረበላ ትኽእል ድያ፧ ናይዝን ናይ ካልእ ኣገዳሲ ሕቶታትን መልሲ ንምርካብ ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ከተንብብ ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ውርሲ ኽትረክብ ዲኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ