ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/3 ገጽ 3
  • ንዓኻውን ዚምልከት በዓል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዓኻውን ዚምልከት በዓል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድራር ጐይታ—ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/3 ገጽ 3

ንዓኻውን ዚምልከት በዓል

የሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንኣምላኽ ክብሪ እተምጽእ በዓል ሰሪዑ እዩ። ንሰዓብቱ ኬኽብርዋ ዝኣዘዞም ሃይማኖታዊት በዓል ከኣ እዚኣ ጥራይ እያ። ድራር ጐይታ ተባሂላ ኸኣ ትፍለጥ።

ነቲ ሽዑ ዘጋጠመ ፍጻመታት እሞ ናብ ሓሳብካ ኣምጽኣዮ። የሱስን ሃዋርያቱን በዓል ፋስጋ ንኼብዕሉ ኣብቲ ኣብ የሩሳሌም ዚርከብ ደርቢ ተኣከቡ። ነቲ ኣብ ፋስጋ ዚብላዕ እተጠብሰ ገንሸልን መሪር ሓምልን ዘይበዅዐ ቕጫን በልዑ: ቀይሕ ወይኒ እውን ሰተዩ። እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚበሃል ዚኸድዐ ሃዋርያ ኻባታቶም ወጸ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ንጐይታኡ ኣሕሊፉ ኺህቦ እዩ። (ማቴዎስ 26:17-25፣ ዮሃንስ 13:21, 26-30) የሱስ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ሓቢሩ ተረፈ። ማቴዎስ ከኣ ሓደ ኻባታቶም እዩ።

እቲ የሱስ ድራር ጐይታ ዚሰርዓሉ መገዲ ብዓይኑ ዝረኣየ ማቴዎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ:- “የሱስ [ዘይበዅዐ] እንጌራ ኣልዐለ: ባሪኹ ቘሪሱ: ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ሂብዎም፤ እዚ ስጋይ እዩ: ውሰዱ: ብልዑ: በሎም። ጽዋእ [ወይኒ] ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፤ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ: ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።”—ማቴዎስ 26:26-28

የሱስ ድራር ጐይታ ዝሰርዐ ስለምንታይ እዩ፧ ከምዚ ኺገብር ከሎ: ዘይበዅዐ ቕጫን ቀይሕ ወይንን እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ ኵሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብዚ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ኣለዎም ድዩ፧ እዚ በዓል እዚ ኣብ ከክንደይ ግዜ እዩ ኺበዓል ዘለዎ፧ ብሓቂዶኸ ንዓኻ ትርጕም ኣለዎ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ