ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 15/1 ገጽ 31
  • ‘ሓደ ኻብቲ ብሉጽ ስርሓት ህንደሳ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ሓደ ኻብቲ ብሉጽ ስርሓት ህንደሳ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 15/1 ገጽ 31

‘ሓደ ኻብቲ ብሉጽ ስርሓት ህንደሳ’

ኣስታት 3,000 ዓመት ይገብር ብግዜ ንግስነት ሰሎሞን ቤተ መቕደስ የሆዋ ኣብ የሩሳሌም ክህነጽ ከሎ: ሓደ ጽቡቕ መዕቈሪ ማይ በስራዚ ተሰሪሑ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ነበረ። እዚ መዕቈሪ ማይ እዚ 30 ቶን ኣቢሉ ዝምዘን ኰይኑ 40,000 ሊትሮ ዝኣክል ማይ ይሕዝ ነበረ። እዚ ዓብዪ ጋብላ እዚ ናይ ፍሲ ባሕሪ ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። (1 ነገስት 7:23-26) እቲ ኣብ ዋዕላ ሃገራዊ ምርምር ካናዳ ናይ ቴክኒክ ብዓል ስልጣን ዝነበረ ኣልበርት ዞይድሆፍ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ኣብ መጽሔት ቢብሊካል ኣርኪዮሎጂስት “ሓደ ኻብቲ እብራውያን ዝገበርዎ ብሉጽ ስርሓት ህንደሳ ምንባሩ ዘጠራጥር ኣይኰነን” በለ።

እቲ ናይ ፍሲ ባሕሪ ብኸመይ እዩ ተሰሪሑ፧ “እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ . . . [ነቲ ኣቓሑ ኣስራዚ] ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ።” (1 ነገስት 7:45, 46) ዞይድሆፍ “እቲ ኣሰራርሓ ምስዚ ሕጂ ዓበይቲ ናይ ብሮንዞ ደወላት ንምስራሕ ዝጥቀሙሉ ሜላ ዝመሳሰል ነይሩ ክኸውን ኣለዎ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉውን ከምዚ ብምባል ገለጸ:- ‘ብመሰረቱ እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ምሉእ ብምሉእ ዝነቐጸ ቕርጺ ናይ መሬት ጥዑም ስምዒ ይልበጥ። እዚ ምስ ተዛዘመ: እቶም ብልሓተኛታት ነቲ ደጋዊ ቕርጺ ናይቲ ኣቕሓ ሰሪሖም ኣብ ልዕሊ እቲ ስምዒ ክሳዕ ዝነቅጽ ይጽበይዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ነቲ ስምዒ መኺኹ ኸም ዝወጽእ ይገብሩ እሞ ዝመኸኸ ብሮንዞ ኣብቲ ቦታኡ ይመልኡ።’

እቲ ናይ ፍሲ ባሕሪ ዓብዪን ከቢድን ብምንባሩ ንምስራሑ ብዙሕ ብልሓት ዝሓትት ነበረ። እቲ ውሽጣዊ ቕርጽን ደጋዊ ቕርጽን ናይቲ ኣቕሓ: ንጸቕጢ እቲ 30 ቶን ኣቢሉ ዝኸውን ዝመኸኸ ኣስራዚ ዝጻወር ክኸውን ነበሮ: ነቓዕ ወይ መንቅብ ምእንቲ ኸይፍጠር ከኣ እቲ ናይ ምፍሳስ መስርሕ ቀጻሊ ክኸውን ነይርዎ። እዚ ድማ ምናልባት ነቲ ኣስራዚ ንምምካኽ ኣብቲ ኸባቢ ሓያሎ እቶን ምእጓድ የድሊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ብሓቂ ኸቢድ ዕዮ እዩ ነይሩ!

ንጉስ ሰሎሞን ነታ ቤተ መቕደስ ክጽምብላ ኸሎ ኣብ ዝገበሮ ጸሎት: “ብኣፍካ ተዛረብካ: ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ: ብኢድካ ፈጸምካዮ” ብምባል ኵሉ እቲ ኣብቲ ቤተ መቕደስ እተዓየ ዕዮ ሳላ የሆዋ ምዃኑ ብምግላጽ ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ሃቦ።—1 ነገስት 8:24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ