ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w04 1/1 ገጽ 32
  • ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
w04 1/1 ገጽ 32

ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧

ኣብ ስድራቤትካ: ጥዕናኻ: ስራሕካ ብዘጋጥመካ ጸገማት: ወይ ከቢድ ሓላፍነት ስለ ዘለካ: ምስ ስምዒታዊ ጾር ትቃለስ ዲኻ፧ ብዙሓት ሰባት ከምዚ የጋጥሞም እዩ። ኣብዚ ግዜና ብምጕዳል ፍትሕን ብገበንን ብዓመጻን ዘይትንከፍ እሞ መን እዩ፧ እወ: ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝበሎ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን እዩ ዘሎ።’ (ሮሜ 8:22) እምበኣር: ብዙሓት ሰባት ‘ኣምላኽ ይሓልየልና ድዩ፧ ክሕግዘናዶኸ እዩ፧’ ኢሎም እንተ ሓተቱ ዘገርም ኣይኰነን።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ኸሎ “ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ” በለ። ሰሎሞን: ኣምላኽ ከም ዝፈልጠና ጥራይ ዘይኰነስ: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እውን ከም ዝሓልየልና ይተኣማመን ነበረ። ንኣምላኽ ድማ ‘ካብ ሰማይ ክሰምዓና’ ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ “ቍስሉን ቃንዛኡን” ንዕኡ ዝገለጸ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ውልቀ-ሰብ ክምልሰሉ ለመኖ።—2 ዜና መዋእል 6:29, 30

ኣብዚ ግዜና እውን የሆዋ ኣምላኽ ይሓልየልናን ብጸሎት ክንጽውዖ ይዕድመናን እዩ። (መዝሙር 50:15) ነቲ ኻብ ልቢ ዝመነጨ ጸሎት ከኣ ምስ ፍቓዱ ብምስምማዕ መልሲ ኸም ዝህበሉ ተመባጺዑልና ኣሎ። (መዝሙር 55:16, 22፣ ሉቃስ 11:5-13፣ 2 ቈረንቶስ 4:7) እወ: የሆዋ ‘ዝዀነ ሰብ ወይ ኵሉ ህዝቡ ዝጽልዮ ዅሉ ጸሎትን ኵሉ ምህልላን’ ይሰምዕ እዩ። ስለዚ: ኣብ ኣምላኽ እንተ ተኣሚንና: ሓገዝ ክህበና እንተ ጸሊና: ከምኡውን እንተ ቐሪብናዮ: ከም ዝሓልየልናን ከም ዝመርሓናን ኣብ ህይወትና ኽንርእዮ ኢና። (ምሳሌ 3:5, 6) ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ያእቆብ “ንኣምላኽ ቅረብዎ: ንሱውን ኪቐርበኩም እዩ” ብምባል የረጋግጸልና።—ያእቆብ 4:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ