ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/12 ገጽ 32
  • መድነቒ ኽትከውን ትጽዕር ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መድነቒ ኽትከውን ትጽዕር ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/12 ገጽ 32

መድነቒ ኽትከውን ትጽዕር ዲኻ፧

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንግብርታትን ባህርያትን የሆዋ ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ኣድንቖቶም ክገልጹ ኣስተብሂልካዶ ኣለኻ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” በለ። (መዝሙር 139:14) ነብዪ ኢሳይያስ “ዎ እግዚኣብሄር: ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት . . . ጌርካ ኢኻ እሞ: ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ” በለ። (ኢሳይያስ 25:1) ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን” ብምባል ዝገለጾ ኣድንቖትን ኣኽብሮትን እውን እሞ ሕስብ ኣብለሉ።—ሮሜ 11:33

ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ ነታ “ደነቐ” እትብል ቃል “ገረመ፣ ኣስተንከረ፣ ደመመ፣ ዜርምም ኮነ፣ ደንጸወ” ብምባል ተርጒምዋ ኣሎ።

ንኣሽቱ ቘልዑ ሓድሽ ነገር ክርእዩ ወይ ክሰምዑ ኸለዉ ኣዒንቶም ተኺሎም ክዕዘቡ ምርኣይስ ዘሐጕስዶ ኸይኰነ፧ እቲ ዘሕዝን ግን: እዚ ሓድሽ ነገር ንምፍላጥ ካብ ዘሎና ህንጥዮት ዝመጽእ ኣድንቖት ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ዝሃስስ ምዃኑ እዩ።

ይኹን እምበር: እቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም ናይ ምድናቕ ባህሪ ኣብ ውሽጦም እተሰረተ እዩ ነይሩ። ንነዊሕ ዓመታት እውን ጸንሐ። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እቲ ግብርታት ኣምላኽ ብሞሳ ብምስትንታን መድነቕቲ ክዀኑ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ እዩ። ብዛዕባዚ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናይ ቀደም መዓልትታት እዝክር: ኵሉ ተግባርካ ኤስተንትን: ግብሪ ኣእዳውካ እሐስብ አሎኹ” ኢሉ ጸለየ።—መዝሙር 143:5

እዛ ናይ ምድናቕ ባህሪ እዚኣ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ንኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት እትንጸባረቕ ምዃናስ ክሳዕ ክንደይ ዝነኣድ ኰን እዩ! ንስኻኸ እዛ ባህሪ እዚኣ ኣላትካዶ፧ ንኸተማዕብላኸ ትጽዕርዶ ኣለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ