ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/11 ገጽ 32
  • ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/11 ገጽ 32

ገበነኛ ዘይብላ ዓለም ክትመጽእ እያ

ገበነኛ ዝበሃል ዘይብላ ዓለም እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል! ፖሊስ ኰነ ኣብያተ-ማእሰርቲ ወይ ብዙሕ ወጻኢ ዘድልዮን እተሓላለኸ ኣሰራርሓ ዘለዎን ትካላት ፍትሒ ኣየከድልን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ንህይወትን ንብረትን ካልኦት ኣኽቢሩ ዝርእየላ ዓለም እያ ኽትከውን። እዝስ ክኸውን ዘይክእል ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን: መጽሓፍ ቅዱስ ግን እዚ መብጽዓ እዚ እዩ ተመባጺዑ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ገበንን ካልእ እከይን እንታይ ከም ዝብል ንምንታይ ዘይትርኢ፧

ኣብ መዝሙር ዳዊት “ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ኪዕጸዱ: ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ኪጽምልዉ እዮም እሞ: በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ: በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ዝብል ነንብብ። (መዝሙር 37:1, 2, 11) ኣምላኽ ነዝን ካልእ ዘሐጕስ መብጽዓታቱን ንኸይፍጽም ክዓግቶ ዝኽእል የለን።

ኣምላኽ ነዚ መብጽዓታት እዚ ብመንግስቱ ኣቢሉ እዩ ዝፍጽሞ። ኣብታ ኣቡነ ዘበሰማያት እትብል ጸሎት: የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ እዛ መንግስቲ እዚኣ ንኽትመጽእን ፍቓድ ኣምላኽ “ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ንክኸውንን ክጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ድሕሪ ሓጺር እዋን እዛ መንግስቲ እዚኣ ምስ መጸት ዋላ ሓደ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ሰብ ብሰንኪ ድኽነት: ጭቈና: ወይ ስስዐ ተላዒሉ ገበን ንኽፍጽም ኣይክድረኽን እዩ። ኣብ ክንድኡስ ቃል ኣምላኽ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]” ይብለና። (መዝሙር 72:16) እወ: የሆዋ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣብዛ ምድሪ ዝነብር ሰብ መወዳእታ ዘይብሉ ጽቡቕ ነገር ክገብረሉ እዩ። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ከኣ ደቅሰብ ንኣምላኽን ንሰብን ብዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ስለ ዝመላለሱ: ደጊም ዓለም ብገበን ኣይክትናወጽን እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ