“መሓዙትን ፍቕርን ቈላሕታን ረኺበ”
“ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:35) ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝበሎ ፍቕሪ መለለዪት ቀዳሞት ክርስትያን ኣሕዋት ነበረት። ክርስቶስ ድሕሪ ሙማቱ ሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኸውን ጸኒሑ: ገሊኣቶም ነዚ እተዓዘቡ ሰባት ብዛዕባ ክርስትያናት ‘ክሳዕ ክንደይ ንሓድሕዶም ከም ዝፋቐሩ: ኣብ ክንዲ ሓድሕዶም ክሞቱ እውን ክሳዕ ክንደይ ቅሩባት ምዃኖም እሞ ርኣዩ’ ኢሎም ከም እተዛረቡ ተርቱልያን ጸሓፈ።
ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ትርከብ ድያ፧ እወ። ንኣብነት: ናብቲ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እተላእከት ደብዳበ እሞ ርአ። ማሪሊያ ትበሃል ሰበይቲ ኸምዚ ኢላ ጸሓፈት:-
“ኣብ ቢያ መርሳቴስ: ኣርጀንቲና: እናነበርና ኸለና: እታ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ኣደይ ሕማም ሪሕ (ኦስቲዮኣርትራይስ) ስለ ዝሓዛ ኻብ ሕቘኣ ንታሕቲ ለመሰት። ኣብ መጀመርታ እተን ሓሚማትለን ዝነበራ ሸሞንተ ወርሒ እቶም ኣብ ቢያ መርሳቴስ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ብፍቕርን ብሓልዮትን ዝከናኸንዋ ዝነበሩ። ቤታ የጽርዩላ: መግባ የዳልዉላ: ኰታስ ንዅሉ ዘድልያ ነገራት ባዕላቶም ይዓይዎ ነበሩ። ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወት እውን ከይተረፈ: ለይትን መዓልትን ሰብ ተፈልይዋ ኣይፈልጥን።
“ኣብዚ እዋን እዚ ኣነን ኣደይን ናብ ብራዚል ተመሊስና ኣለና: ሕማማውን በብቝሩብ ይሕሻ ኣሎ። ኣብዚ እንነብረሉ ኸባቢ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኣደይ ንኽትጥዒ ዝከኣሎም ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ።”
ኣብ መወዳእታ ማሪሊያ “ኣነ ናይ የሆዋ ምስክር እኳ እንተ ዘይኰንኩ: ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን መሓዙትን ፍቕርን ቈላሕታን ረኺበ እየ” ብምባል ደብዳበኣ ዛዘመት።
እወ: ሕጂውን ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ዘንጸባርቑ ሰባት ኣለዉ። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ኸኣ ነቲ ትምህርትታት የሱስ ኣብ ህይወትና ኽህልዎ ዝኽእል ጽልዋ እዮም ዘርእዩ።