ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/10 ገጽ 32
  • “ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/10 ገጽ 32

“ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ”

ኣብዚ ስእሊ እዚ ኸም እትርእዮ: እዞም ብሓንሳእ ተቘሪኖም ዝሓርሱ ዘለዉ ገመልን ብዕራይን ፈጺሙ ኸም ዘይመሽኦም ፍሉጥ እዩ። እቲ ንኽልቲኦም ቘሪንዎም ዘሎ ኣርዑት ንኽልተ ሓደ ዓይነት ግዝፍን ብርታዐን ዘለዎም እንስሳታት እተሰርሐ ብምዃኑ ንኽልቲኦም እዩ ዘሳቕዮም ዘሎ። ኣምላኽ ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እንስሳታት ስለ ዝሓሊ: ንእስራኤላውያን “ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ” በሎም። (ዘዳግም 22:10) እዚ ስርዓት እዚ ኣብ ብዕራይን ገመልን እውን ክውዕል ይኽእል እዩ።

ሓደ ሓረስታይ ንእንስሳታቱ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ኣየእትዎምን እዩ። እንተዀነ ግን: ክልተ ኣብዑር እንተ ዘይብሉ: ነቶም ዘለዉዎ ኽልተ እንስሳታት ብሓንሳእ ይቘርኖም ይኸውን። እዚ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዝርአ ዘሎ ኣብ መበል 19 ዘመን ዝነበረ ሓረስታይ ከምዚ እዩ ገይሩ። ኣብ ግዝፎም ኰነ ኽብደቶም ፍልልይ ስለ ዘለዎም ግን እቲ ዝሓመቐ እንስሳ ማዕረ ማዕረ እቲ ዝበርትዐ እንስሳ ንኽስጕም ይሽገር እዩ: እቲ ዝበርትዐ ኸኣ ዝያዳ ጾር እዩ ዝጸውር።

ሃዋርያ ጳውሎስ ኣገዳሲ ትምህርቲ ንምትሕልላፍ ነዚ ዘይመጣጠን ጽምዲ ኸም ምሳሌ ተጠቒሙሉ ኣሎ። “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧” ኢሉ ድማ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 6:14) ሓደ ክርስትያን ምስ ዘይኰኖ ኣብ ሓደ ኣርዑት ክጽመድ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧

ክርስትያናት ምስቶም ከማታቶም ዓይነት እምነት ዘይብሎም ሰባት ሓዳር ምስ ዝገብሩ: ምስ ዘይኰኖም ሰብ ኣብ ሓደ ኣርዑት ተጸሚዶም ክበሃል ይከኣል እዩ። እቶም ሰብ ሓዳር ኣብ መሰረታዊ ነገራት ስለ ዘይሰማምዑ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር ንኽልቲኦም እዩ ጸገማት ዘምጽኣሎም።

የሆዋ ሓዳር ከቕውም ከሎ: እታ ሰበይቲ “ደጋፊት” ክትከውን እዩ መዲብዋ። (ዘፍጥረት 2:18) ብተመሳሳሊውን ኣምላኽ ብነብዪ ሚልክያስ ኣቢሉ ንሰበይቲ ‘ብጸይቲ’ ብምባል ጠቒስዋ እዩ። (ሚልክያስ 2:14) ፈጣሪና ንሰብ ሓዳር ዘጋጥሞም ጾር ብሓባር እናጾሩ: ዝረኽብዎ ረብሓታት ከኣ እናተኻፈሉ ናብ ሓደ መንፈሳዊ ሸቶ ገጾም ብሓባር ክስጕሙ እዩ ዝደሊ።

ሓደ ክርስትያን “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ብምምርዓው: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝሃቦ ምኽሪ ኣኽብሮት የርኢ። (1 ቈረንቶስ 7:39) እዚ ንስምረት ዘለዎ ሓዳር መሰረት ይኸውን: ክልቲኦም ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ‘መዓይይቲ’ ብምዃን ንኣምላኽ ከገልግልዎ ኸለዉ ኸኣ ውዳሰን ክብርን የምጽኣሉ።—ፊልጲ 4:3

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Camel and ox: From the book La Tierra Santa, Volume 1, 1830

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ