ንድኻታት ዝኸውን ናይ ሓቂ ሓገዝ
የሱስ ክርስቶስ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንድኻታት ናይ ሓቂ ተገዳስነት ነበሮ። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት: ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር “ዕዉራት ይርእዩ: ሓንካሳት ይኸዱ: ለምጻማት ይነጽሁ: ጸማማት ይሰምዑ: ምዉታት ይትንስኡ: ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ” በለ። (ማቴዎስ 11:5) እንተዀነ ግን: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድኻታት ዝስበኽ ብስራት ኣሎዶ፧ እወ: ናይ ተስፋ መልእኽቲ ኣሎ!
ዓለም ብሓፈሻ ንድኻታት ዕሽሽ ኢላቶምን ረሲዓቶምን እኳ እንተላ: እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን “ድኻስ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ እሞ: ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይኪጠፍእን እዩ” ብምባል ይመባጽዓሎም። (መዝሙር 9:18) እታ ናይ ሓቂ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብኣዊ ግዝኣት ምስ ኣጥፍኣቶ: እዚ ዘጸናንዕ ቃላት ፍጻሜኡ ኽረክብ እዩ። (ዳንኤል 2:44) እቲ ንጉስ ናይዛ ሰማያዊት መንግስቲ ዝዀነ የሱስ “ንመሳኺንን ንድኻታትን ኪድንግጸሎም: ንነፍሲ ድኻታት ከኣ ኬድሕን እዩ። ንነፍሶም ካብ ምጥቃዕን ግፍዕን ኪብጀዋ ደሞም ከኣ ኣብ ኣዒንቱ ኽቡር ኪኸውን እዩ።”—መዝሙር 72:13, 14
ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ዝህሉ ዅነታት መነባብሮ ከመይ ዝበለ እዩ ክኸውን፧ እቶም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ዝነብሩ: ጻማ ጻዕሮም ክረኽቡ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሚክያስ 4:3, 4 “ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ: ዜፍርሆም ከኣ የልቦን” ይብል። መንግስቲ ኣምላኽ ንሕማምን ሞትን እውን ከተጥፍኦ እያ። (ኢሳይያስ 25:8) ከመይ ዝበለ ዓብዪ ለውጢ ዀን እዩ ክኸውን! እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብመንፈሱ ዘጽሓፎ ብምዃኑ ኽንኣምኖ ንኽእል ኢና።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ዝህበና ናይ ተስፋ መልእኽቲ: ነቲ ብድኽነት ክመጽእ ዝኽእል መዓልታዊ ጸገማትና ንኽንዋጽኣሉ እውን ይሕግዘና እዩ። ንኣብነት: ብሰንኪ ድኽነት ንርእስና ኣመና ኣትሒትና ንርኢ እንተ ዄንና: ነዚ ብኸመይ ከም እንዋጽኣሉ ይሕግዘና። ሓደ ስኡን ክርስትያን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ማዕረ እቲ ሃብታም ክርስትያን ከም ዝዀነ: ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሮ መጽናዕቲ ይፈልጥ እዩ። ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ እዮብ ብዛዕባ ኣምላኽ “ኵላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ: . . . ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን” ዝብል ንረክብ ኢና። (እዮብ 34:19) ኣምላኽ ንኽልቲኦም ብማዕረ እዩ ዘፍቅሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35