ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/8 ገጽ 32
  • “ክልተ ሰባት ማዕጾና ዃሕኵሓ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ክልተ ሰባት ማዕጾና ዃሕኵሓ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/8 ገጽ 32

“ክልተ ሰባት ማዕጾና ዃሕኵሓ”

“ንእሽቶ ጓልና ብሙማታ ኸቢድ ሓዘን ካብ ዝስምዓና ድሮ ኽልተ ዓመት ገይሩ ኣሎ።” ኣብ ሴንት ኤትየን: ፈረንሳ: ኣብ እትሕተም ጋዜጣ ለ ፕሮግረ ዝወጸት ደብዳበ በዘን ዝጠቐስናየን ቃላት ትጅምር ነበረት።

“ሜሊሳ ጓል ሰለስተ ወርሒ ኸላ ትሪሶሚ 18 ዝበሃል ኸቢድ ሕማም ሓመመት። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፈጺሙ ዘይፍትሓዊ ዝመስል ዘሕዝን ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ክትርስዖ ኣይከኣልን እዩ። ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ኴንና እኳ እንተ ዓበና: ‘ኣምላኽ: እንተ ሃሊኻ: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከጋጥም ስለምንታይ ኢኻ ስቕ ኢልካ እትርኢ፧’ ዝብል ሕቶ ወትሩ የጨንቐና ነበረ።” እታ ነዛ ደብዳበ እዚኣ ዝጸሓፈታ ኣደ ጓሂ ከም እተሰምዓን እትገብሮ ኸም ዝሓርበታን ንጹር እዩ። ቀጺላ ኣብታ ደብዳበኣ ኸምዚ በለት:-

“ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ክልተ ሰባት ማዕጾና ዃሕኵሓ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃነን ብኡንብኡ ፈለጥክወን። ብትሕትና ኸሰናብተን እየ ሓሲበ ነይረ: እንተዀነ ግን: እታ ዝዕድላኣ ዝነበራ ብሮሹር ረኣኹዋ። ኣምላኽ ስቓይ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እትገልጽ እያ ነይራ። ስለዚ: ነቲ ዝብልኦ ንኸፍርስ ኢለ ናብ ቤተይ ክኣትዋ ፈቐድኩለን። ስድራቤትና ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ዘሕለፈት ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ: ‘ኣምላኽ ሂቡና: ኣምላኽ ከኣ ወሲዱዋ’ ዝዓይነቱ ዝደጋገም ዘረባ ድማ ተመንዩና ነበረ። እተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ጸንሓ። ብድንጋጽ ነቲ ዘረባይ ሰምዓኒ: ክኸዳ ኸለዋ ኸኣ ካብቲ ዝነበርክዎ ኣጸቢቑ ፍዅስ ስለ ዝበለኒ ኻልእ መዓልቲ መጺአን ክበጽሓኒ ተሰማማዕኩ። እዚ ካብ ዝኸውን ክልተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ክሳዕ ሕጂ ናይ የሆዋ ምስክር ኣይኰንኩን: እንተዀነ ግን: ምሳታተን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀሚረ እየ: ብእተኻእለኒ ድማ ኣብቲ ዝእከባሉ ኣኼባታት እካፈል እየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ