ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/7 ገጽ 3
  • ፍቕሪ ኣዝያ ኣድላዪት እያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ፍቕሪ ኣዝያ ኣድላዪት እያ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ዜፍቅረካ ኣምላኽ ኣፍቅሮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንብጻይና ምፍቃር እንታይ ማለት እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ብፍቕሪ ተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ፍቕርኻ ክሳዕ ክንደይ ኢያ ሰፋሕ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/7 ገጽ 3

ፍቕሪ ኣዝያ ኣድላዪት እያ

ዕድመ: ባህሊ: ቋንቋ: ወይ ዓሌት ብዘየገድስ: ኵሎም ሰባት ከፍቅሩን ክፍቀሩን ይደልዩ እዮም። እዚ ድሌት እዚ እንተ ዘይተማሊኡ ኣይሕጐሱን። ሓደ ናይ ሕክምና ተመራማሪ ብዛዕባዚ ኸምዚ ኢሉ ጻሓፈ:- “ከም እንሓምም ወይ ከም እንጥዒ: ከም እንጕሂ ወይ ከም እንሕጐስ: ከም እንሳቐ ወይ ከም እንሓዊ ዝገብረና ፍቕርን ናይ ማሕርሮ ርክብን እዩ። ነዚ ስምዒት እዚ ኸማልኣልና ዝኽእል ሓድሽ መድሃኒት እንተ ዝርከብ: ዳርጋ ዅሉ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሓኪም ንሕሙማቱ እዚ መድሃኒት እዚ ምኣዘዘሎም። ነዚ ዘይምእዛዝ ከም ገበን ምተቘጽረ።”

ይኹን እምበር: ዘመናዊ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ መራኸቢ ብዙሓንን ኣርኣያ ኸም ዝዀኑ ጌርካ ዝውሰዱ ሰባትን መብዛሕትኡ ግዜ ንሃብቲ: ስልጣን: ዝና: ከምኡውን ጾታዊ ርክብ ካብቲ ንሰብ ዘድልዮ ፍቕራዊ ርክብ ንላዕሊ ኸጕልሕዎ ኢና እንርኢ። ብዙሓት መምህራን ዓለማዊ ሸቶታትን ሞያታትን ስለ ዘጕልሑ ዕዉት ምዃን ብቐዳምነት ምስቲ ሓደ ሰብ ዘጥረዮ ጥሪትን ዝበጽሖ ደረጃን እዮም ዘተሓሕዝዎ። ትምህርትን ክእለት ምጥራይን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘይክሓድ እዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ሰብ ንስድራ​ቤቱን ንፈተውቱን ዝኸውን ግዜ ፈጺሙ ኽሳዕ ዝስእን ነዚ ኽስዕቦ ግቡእ ድዩ፧ ሓደ ንባህርያት ሰብ ብኣትኵሮ ዝዕዘብን ምሁርን ዝነበረ ጥንታዊ ጸሓፊ: ብዙሕ ክእለት ዘለዎ ግን ከኣ ፍቕሪ ንዘይብሉ ሰብ “ከም ዜድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዚብል ጸናጽል” ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:1) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሃብታማት ወይ እውን ውሩያት እኳ እንተዀኑ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ግን የብሎምን።

እቲ ብዛዕባ ደቅሰብ ዓሚቝ ምርዳእ ዝነበሮን ንሰባት ብፍላይ ዝፈትዎምን ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ: ንኣምላኽን ንብጻይካን ምፍቃር ሕመረት ትምህርቱ እዩ ገይርዎ። “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: . . . ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ድማ በለ። (ማቴዎስ 22:37-39) እቶም ነዘን ቃላት እዚኣተን ዝሕልዉወን ጥራይ እዮም ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ክዀኑ ዝኽእሉ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዝበለ።​—⁠ዮሃንስ 13:35

ሓደ ሰብ ግን ኣብዛ ዓለምና ብኸመይ እዩ ፍቕሪ ኸማዕብል ዝኽእል፧ ወለዲኸ ንውሉዳቶም ብኸመይ ፍቕሪ ኽምህርዎም ይኽእሉ፧ እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዛ ብስስዐ እትምራሕ ዓለም ምፍቃር ቀሊል ኣይኰነን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ