ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/5 ገጽ 3
  • መሳጢ መዝገብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሳጢ መዝገብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዝገብ ኖህ ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ዛንታ ኖህን ማይ ኣይህን ጽውጽዋይ ጥራይ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኖህ ብእምነቱ ንዓለም ኰነና
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • መርከብ ኖህ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/5 ገጽ 3

መሳጢ መዝገብ

ሪቻርድ ኢ. በርድ ዝበሃል ዳህሳሲ ካብ 1928 ክሳዕ 1956 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣብ ኣንታርክቲክ ሓሙሽተ ናይ ዳህሳስ ጕዕዞ ገበረ። ናይ ብሕቱ መዝገበ⁠-​ዕለትን ንጕዕዞኡ ዝምልከት መዝገብን ተጠንቂቑ ብምምዝጋቡ: ንሱን መሳርሕቱን ንፋስ ዝነፍሰሉ ኣንፈት ክፈልጡ: ካርታ ኸዳልዉ: ከምኡውን ብዛዕባ ኣንታርክቲካ ብዙሕ ሓበሬታ ኽረኽቡ ኸኣሉ።

በርድ ዝገበሮ ናይ ዳህሳስ ጕዕዞታት ጥቕሚ ናይ መዝገብ ንኽንርድኦ የኽእለና። እዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ መዝገብ ኣብ ጕዕዞ ወይ ኣብ በረራ ዝርዝር ሓበሬታ ዝሕዝ እዩ። እዚ ሓበሬታ እዚ ጸኒሕካ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዛዕባ ዘጋጠመ ነገራት ንኽትምርምር ወይ ኣብ መጻኢ ንዝግበር ጕዕዞታት ጠቓሚ ሓበሬታ ንምርካብ ከገልግል ይኽእል።

ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ ዝምስጥ ጸብጻብ ይህበና እዩ። እቲ ንምልእቲ ምድሪ ዘጥለቕለቐ ማይ ኣይሂ ንልዕሊ ሓደ ዓመት እዩ ጸኒሑ። ኖህን ሰበይቱን ሰለስተ ደቆምን ሰለስቲአን ኣንስቲ ደቆምን ነቲ ማይ ኣይሂ እትዀኖም 133.5 ሜትሮ ዝንውሓታ: 22.3 ሜትሮ ዝምግፋሓ: 13.4 ሜትሮ ዝቝመታ ዓባይ መርከብ ንምስራሕ 50 ወይ 60 ዝኸውን ዓመት እዩ ወሲድሎም። ንምንታይ ዕላማ ግን እያ ተዳልያ፧ እተወሰኑ ሰባትን እንስሳታትን ካብቲ ማይ ኣይሂ ምእንቲ ኽድሕኑ እያ ተዳልያ።​—⁠ዘፍጥረት 7:1-3

እታ ኽፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ዘፍጥረት እቲ ማይ ኣይሂ ኻብ ዝጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ ኽሳዕ እታ ኖህን ስድራ​ቤቱን ካብታ መርከብ ዝወጹላ ዕለት ዝነበረ ዅነታት ዝገልጽ ኖህ ዝጸሓፎ መዝገብ ክንብሎ እንኽእል ጸብጻብ ዝሓዘት እያ። እዚ ጸብጻብ እዚ ንዓና ዘገድስ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ