ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/4 ገጽ 3
  • ድራር ጐይታ እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ድራር ጐይታ እንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድራር ጐይታ ንዓኻ ዓብዪ ትርጕም ኣለዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ኬምልጠካ ዘይብሉ በዓል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ድራር ጐይታ ዜብዕልሉ መገዲ፡ ካብ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ዚፍለ ስለምንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/4 ገጽ 3

ድራር ጐይታ እንታይ እዩ፧

“ድራር ጐይታ” ዝብላ ቓላት ክትሰምዕ ከሎኻ ኣብ ኣእ​ምሮኻ እንታይ እዩ ትዝ ዝብለካ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ብሰኣሊ ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ (1452-​1519) እተሳእለ: የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ድራር ክበልዕ ከሎ ዘርኢ “ናይ መወዳእታ ድራር” ዘርእስቱ ቅብኣ እዮም ዝዝክሩ። ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ድራር ጐይታ ንስነ⁠-​ጥበባውያንን ንጸሓፍትን ንሙዚቀኛታትን ዝስሕብ ኣርእስቲ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ።

ድራር ጐይታ ግን እንታይ እዩ: ነዞም ኣብ መበል 21 ዘመን እንነብር ሰባትከ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧ መዝገበ⁠-​ፍልጠትን መዝገበ⁠-​ቓላትን እንተ ተወኪስካ: እቲ ድራር ጐይታ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መወዳእታ ድራር: የሱስ ክርስቶስ ድሮ እታ መስዋእታዊ ሞት ዝሞተላ መዓልቲ ዝነበረት ምሸት ምስ ሃዋርያቱ እተደረሮ ድራር ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ። የሱስ ምስ ሰዓብቱ ዝበልዖ ናይ መወዳእታ ድራር ብምዃኑ: ገሊኣቶም ናይ መወዳእታ ድራር ኢሎም ይጽውዕዎ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ዝሰርዖ ብምዃኑ ኸኣ ድራር ጐይታ ኽበሃል ግቡእ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ንዝኣምኑሉ ነገራት ህይወቶም ሰዊኦም እዮም። ገለ ኻብዚ እተኸፍለ መስዋእትታት እዚ ንገለ ሰባት ንእተወሰነ እዋን ጠቒምዎም እዩ። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ኻብዚ መስዋእታዊ ሞት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ልዑል ግምት ይወሃቦ ብዘየገድስ ብኣገዳስነቱ ጥቓ ሞት የሱስ ክርስቶስ ዝቐርብ ኣይኰነን። ኣብ ርእሲ እዚውን ሰባት ዝገብርዎ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ኣብዚ ሽግር ዝመልኦ ታሪኽ ወድሰብ ሰፊሕ ጽልዋ ኽገብር ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧

ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስን ድራር ጐይታ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ንኽትፈልጥን ነዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ ኸተንብባ ንዕድመካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ