ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 15/3 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሓደ ቐሊል ድራር ብዛዕባ ሓደ ሰማያዊ ንጉስ እንታይ ይምህረና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 15/3 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ጥዕና ዘይብሉ ቕቡእ ክርስትያን ኣብ ጉባኤ ኣብ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ድራር ጐይታ ኽእከብ ዘይክእል እንተ ዀይኑ: ገለ ምድላው ክግበረሉ ይከኣልዶ፧

እወ። ነቲ ጥዕና ዘይብሉ ብምዃኑ ምናልባት እውን ካብ ዓራቱ ኽትንስእ ብዘይ​ምኽኣሉ ኣብ ጉባኤኡ ኣብ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክእከብ ዘይክእል ቅቡእ ክርስትያን ኣብ ግምት ብምእታው ሓደ ምድላው ክግበር ይከኣል ጥራይ ዘይኰነስ ግቡእ እውን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት በታ ምሸት እቲኣ ማለት ጸሓይ ቅድሚ ምብራቓ ሓደ ሽማግለ ወይ ሓደ ብሱል ሓው ገለ ኻብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ናብቲ ኣማኒ ብጻይ ምእንቲ ኽወስደሉ እቶም ኣካል ሽማግለታት ምድላው ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ሽማግለ ወይ እቲ ሓው ኵነታት ከም ዘፍቅዶ ኣሕጽር ኣቢሉ ሓሳባት ክህብን ግቡእ ጥቕስታት ከንብብን ይኽእል እዩ። ነቲ የሱስ ድራር ጐይታ ከቕውም ከሎ ዝገደፎ ኣርኣያ ክስዕብ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ማቴዎስ 26:26 የንብባ እሞ ድሕሪ ጸሎት ነቲ ዘይበዅዐ ቕጫ ይህቦ። ቀጺሉ: እቲ ሓው ማቴዎስ ምዕራፍ 26 ቍጽሪ 27ን 28ን የንብብ እሞ እንደገና ጸሎት ድሕሪ ምግባር ነቲ ወይኒ ኽህቦ ይኽእል። ንኣገዳስነት ናይቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ብዝምልከት ኣሕጽር ኣቢልካ ሓሳባት ክወሃብ ይከኣል እዩ: ኣብ መወዳእታ ድማ መዕጸዊ ጸሎት ክግበር ይግባእ።

ልክዕ እዩ: ኣብቲ ኣብ ጉባኤ ዝበዓል ድራር ጐይታ ንምእካብ ዝከኣል ኵሉ ጻዕሪ ኽግበር ይግባእ። ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት: ንኣብነት ሓደ ቅቡእ ክርስትያን ከቢድ ሕማም ምስ ዝሓምም: ሆስፒታል ምስ ዝኣቱ: ወይ ብኻልእ ምኽንያት 14 ኒሳን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኸብዕል ምስ ዘይክእልከ፧ ከምዚ ዘጋጠሞ ቕቡእ ክርስትያን ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተዋህበ ስርዓት ከም ኣብነት ብምውሳድ: ብውልቁ ድሕሪ 30 መዓልትታት ከብዕል ይኽእል እዩ።​—⁠ዘሁልቍ 9:9-14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ