ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w03 1/3 ገጽ 32
  • “ዝደልዮ ዅሉ እየ ረኺበ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዝደልዮ ዅሉ እየ ረኺበ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
w03 1/3 ገጽ 32

“ዝደልዮ ዅሉ እየ ረኺበ”

ብመሰረት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 120 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ናይ መንፈስ ጭንቀት የጋጥሞም እዩ። ኣብ ዓዓመት ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ርእሰ⁠-​ቕትለት ይፍጽሙ: ካብ 10 ክሳዕ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ኸኣ ህይወቶም ንምጥፋእ ፈተነ ይገብሩ። ነቶም ናይ መንፈስ ጭንቀት ዘሕደሩ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ ሕክምና ነቲ ዘሕልፍዎ ስቓይ የቃልለሎም ይኸውን: ስምዒታዊ ደገፍ እውን ኣገዳሲ እዩ። ብዘይ​ካዚ: እዚ ሽግር እዚ ዘለዎም ገለ ውልቀ⁠-​ሰባት ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓትምዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ሓገዝ ረኺቦም እዮም። ነዚ ብዝምልከት ካብ ፈረንሳ እዚ ዝስዕብ ደብዳበ ተላእከ:-

“ቅድሚ ሓጺር እዋን: ትርጕም ህይወት ጠፊኡኒ ነይሩ። ስለዚ ንኽመውት ናብ ኣምላኽ ጸለኹ። ውሽጠይ ከም ምዉት እየ ዀይነ ነይረ። መምርሒ ስለ ዝደለኹ ናብ የሆዋ ኣምሪረ ጸለኩ። ብዘይ​ካዚ ነታ ናይ 2002 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከንብባ ወሰንኩ: ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ወዳእክዋ። እዛ መጽሓፍ ብዙሕ ኣተባቢዓትንን እምነተይ ኣደልዲላትለይን እያ።

“ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! እተወሰነ ምርምር ምስ ገበርኩ: ኣዝዩ ዘደንቕ ነገር ረኸብኩ። ነዚ መጽሔታት እዚ ንልዕሊ 15 ዓመት ብዘይ​ ምቍራጽ ኣንቢበዮ እየ: ክሳዕ ክንደይ ዘበራትዕን ዘነቓቕሕን ምዃኑ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣየስተውዓልኩን ነይረ። ፍቕሪ ዝንጸባረቐለን መጽሔታት እየን: እዛ ባህሪ እዚኣ ኸኣ ኣብዚ ግዜና ዳርጋ ኣይትርከብን እያ። ዝደልዮ ዅሉ እየ ረኺበ።”

መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ: ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም” ይብለና። (መዝሙር 34:18) ብዘይ​ጥርጥር: ኵሎም እቶም “ስቡር ልቢ” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ” ዘለዎም ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ምትብባዕን ተስፋን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ዝጠቅም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ይዕድሉ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ