ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/12 ገጽ 32
  • ብህይወት ንኽትነብር ዝበለጸ ግዜ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብህይወት ንኽትነብር ዝበለጸ ግዜ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/12 ገጽ 32

ብህይወት ንኽትነብር ዝበለጸ ግዜ

ፈታኒ ዅነታት ከጋጥመካ ኸሎ: ነቲ ቐደም ዘሕለፍካዮ ጥዑም እዋን ትዝክርዶ፧ ከምዚ ትገብር እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሻ ስለምንታይ እዩ፧ ኣይትበል: እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሐቶ ዘሎኻ” ብምባል እተዛረቦ ሕሰበሉ።​—⁠መክብብ 7:10

ሰሎሞን እዚ ምኽሪ እዚ ዝሃበ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ኣረኣእያ ምህላው ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ እተሕልፎ ጸገማት ንኽትሰግሮ ኸም ዝሕግዝ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቶም ቀደም ዘሕለፍዎ ጥዑም እዋን ዝናፍቑ: እተን መዓልትታት እቲኣተን ጸገማትን ሽግራትን ዝመልአን: ህይወት ድማ ጐደሎ ዘይብላ ከም ዘይነበረት ኽርስዑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ገሊኡ ነገራት ዝሓሸ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን ዘይሕሸሉ መዳያት እውን ነይሩ እዩ። ግዜ ንድሕሪት ክንመልሶ ስለ ዘይንኽእል: ከምቲ ሰሎሞን ዝበሎ ብዛዕባ ሕሉፍ ካብ መጠን ንላዕሊ ምሕሳብ ጥበባዊ ኣይኰነን።

ንዝሓለፈ ግዜ ብኽቱር ናፍቖት ምዝካር ጐዳኢ ድዩ፧ ምስ ህሉው ኵነታት ንምኻድ ተዓጻጸፍትን ተወሃሃድትን ከም ዘይንኸውን እንተ ገይሩና ወይ ነዚ እንነብረሉ ዘሎና ግዜን ነቲ ተስፋ ኽንገብረሉ እንኽእል ነገርን ንኸይነማስወሉ እንተ ዓጊቱና: እወ ጐዳኢ እዩ።

ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ኣብዛ ዓለም ዘሎ ጸገማት እናዛየደ ይኸይድ እኳ እንተሎ: ሕጂ ብህይወት ኽትነብር ዝበለጸ ግዜ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድርናን ብዛዕባ እታ ሰላም እተምጽእ መንግስቱን ዝኣተዎ መብጽዓ ናብ ዝፍጸመሉ ግዜ ንቐርብ ኢና ዘሎና። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብለና። (ራእይ 21:4) እቲ ግዜ እቲ ዝበለጸ ስለ ዝኸውን: ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ጥዑም ዝበሃል ዝሓለፈ እዋን ኣይክናፍቕን እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ