ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከም ዘስፋሕፍሕ ዝገብር ጻዕርታት
ኣብ መወዳእታ 2001 ካብ ሃገራዊ ፈነወ ረድዮ ሞዛምቢክ እዚ ዝስዕብ ምልክታ ቐረበ:-
“ፕረዚደንት ናይዛ ሃገር ኣብቲ ኣብ ማፑቶ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምብጻሕ ገይሩ። ንኣባላት እዚ ሃይማኖታዊ ማሕበር ከኣ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታትን መሃይምነት ንምጥፋእ ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታትን ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ናይ ምስፍሕፋሕ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኣተባቢዕዎም። ካብዚ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ፕሮግራም ድሮ 10,000 ሰባት ተጠቀምቲ ዀይኖም ኣለዉ። ብመሰረት ፕረዚደንት ቺሳኖ ዝበሎ ከምዚ ዝኣመሰለ ተበግሶታት ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ናይዛ ሃገር ዘሎ ጸገማት ትምህርቲ ንምፍታሕ ዓብዪ ኣበርክቶ ስለ ዝገብር ክነኣድ ዝግብኦ ኢዩ።”
እቲ ምልክታ ኣስዕብ ኣቢሉ ኸምዚ ዝስዕብ ዝብል ናይቲ ፕረዚደንት ዘረባ ኣቕረበ:- “ብዙሓት ሰባት መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ተገዳስነት ከሕድሩ ምርኣይ ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ። እዚ ድማ ኣባላት ሲቪላዊ ትካላት መሃይምነት ኣብ ምጥፋእ ክሕግዙና ምዃኖም ኢዩ ዘርኢ። ስለዚ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝዀነ ይኹን ቋንቋ መሃይምነት ናይ ምጥፋእ ጻዕርታቶም ከሐይሉ ኢየ ዘተባብዖም። እቲ ዝያዳ ዘገድስ ሰባት ከንብቡን ክጽሕፉን: በዚ ኣቢሎም ድማ ንሓድሕዶም ብቐሊሉ ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡን ኣብ መጻኢ ኣብ ትምህርቲ ዝያዳ ተሳትፎ ኽገብሩን ምኽኣሎም ኢዩ።”
ኣብ ሞዛምቢክ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሰባት ቃል ኣምላኽ ባዕሎም ከንብቡ ምእንቲ ክኽእሉ: ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ 850 ቦታታት ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ትምህርቲ ይህቡ ኣለዉ። ብተወሳኺውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብዘይ ክፍሊት 50,000 ዝኸውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኢዮም። እዚ ዅሉ ድማ ክፍሊ ናይቲ ሕጂ ኣብ 235 ሃገራት ተዘርጊሑ ዘሎ ፕሮግራም ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ንስኻውን ካብዚ ፕሮግራም እዚ ኽትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ካብዚ ኽትጥቀም እንተ ደሊኻ: ከይተሰከፍካ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዛራረብ።