ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/10 ገጽ 32
  • ‘ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኹን’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኹን’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/10 ገጽ 32

‘ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኹን’

ዢን ደ ላ ብሩዬረ ዝበሃል ኣብ መበል 17 ዘመን ዝነብር ዝነበረ ፈረንሳዊ ጸሓፍ ቴማ “ዝበዝሑ ሰባት ኣብ መጀመርታ ዓመታት ህይወቶም ዝገብርዎ ነገራት ነቲ ዳሕረዋይ ህይወቶም ከርፋሕ ይገብሮ” በለ። እወ: ክልተ ዝልቡ መንእሰይ ዓሰርተ ሳዕ ኣማራጺታት ስለ ዝቐያይር ዕግበት ኣይረክብን: ክጠዓስ ድማ ይነብር። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ነቓጽ መንእሰይ ካብ ዘይጥበባዊ መገዲ ምምላስ ስለ ዝኣቢ ኣብ ዳሕረዋይ ህይወቱ ሓጐስ ኣይረክብን ኢዩ። ክልቲኡ መገዲ ማለት ግቡእካ ዘይምግባር ወይ ዘይግቡእ ነገር ምግባር ናብ ሕሰም ኢዩ ዝመርሕ።

እዚ ብኸመይ ክውገድ ይከኣል፧ መንእሰያት ምእንቲ ኸይወላወሉ ቓል ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ይምዕዶም ኢዩ:- “ክፉእ መዓልታት ከይመጸ: ባህ ኣይበለንን እትብለሉ ዓመታት ከኣ ኸይቀረበ ኸሎ: ብመዓልትታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክሮ።” (መክብብ 12:1) መንእሰይ እንተደኣ ዄንካ: ገና ብንእስነትካ ብዛዕባ “ፈጣሪኻ” ፍልጠት ንምጥራይ ወሳኒ ስጕምቲ ውሰድ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰያት ዕሽነት ከርሕቑ ዝሕግዞም ብኸመይ ኢዩ፧ “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ: ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል” ይብሎም። (ምሳሌ 19:20) መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ብሸለልትነቶም ወይ ብድርቅናኦም ጥበብ ኣምላኽ ምስ ዘይቅበሉ ሕማቕ ሳዕቤን ኢዮም ዝዓጽዱ። (ምሳሌ 13:⁠18) ብኣንጻሩ ግን ኣምላኽ ዝህቦ መምርሒ ምስዓብ ዘዕግብን ባህ ዘብልን ህይወት እትመርሓሉ “ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን” የምጽእ ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ