ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/9 ገጽ 32
  • “ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/9 ገጽ 32

“ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ”

ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዝርከብ ሃሩር ቦታታት: ኣባጊዕ መዓልቲ መዓልቲ ማይ ክሰትያ የድልየን ኢዩ። ስለዚ: ሓደ ጓሳ ካብ ዝዓዮ ቐንዲ ዕዮታት ንመጓሰኡ ናብ ማይ ዝርከቦ ቦታ ምምራሕ ኢዩ። ሓድሓደ ግዜ ጓሶት ኣባጊዖም ምእንቲ ኽሰትያ: ካብ ዔላ ቐዲሖም ናብ ጋብላ የዕርቑለን ኢዮም። (ዘፍጥረት 29:⁠1-3) ብፍላይ ዝናም ኣብ ዝዘንመሉ ወርሓት እቲ ኣብ ከባቢ ንኣሽቱ ኣፍላጋትን ወሓይዝን ዝርከብ ቦታታት ህዱእ ‘እትዓርፈሉ ማይ’ ይርከቦ ነበረ።​—⁠መዝሙር 23:⁠2

ሓደ ንፉዕ ጓሳ ንመጓሰኡ ዘድልየን ማይን ጽቡቕ መገሃጫን ዝረኽበሉ ቦታ ኽፈልጥ ኣለዎ። ብዛዕባ እዚ ቦታታት እዚ ዘለዎ ፍልጠት ንናይ ኣባጊዑ ብህይወት ምጽናሕ ዝትንክፍ ኢዩ። እቲ ኣብ ኵርባታት ይሁዳ ንብዙሕ ዓመታት ኣባጊዕ ዝጓሰየ ዳዊት: ነቲ ኣምላኽ ዝህበና መንፈሳዊ መሪሕነት ምስቲ ንኣባጊዑ ናብ ልሙዕ ሸኻን ናብቲ ነፍሲ ዘረስርስ ማይን ዝመርሐን ጓሳ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ዳዊት ንየሆዋ “ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ” ብምባል ገለጾ።​—⁠መዝሙር 23:1-3

ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት የሆዋ ብነብዪ ህዝቅኤል ኣቢሉ ተመሳሳሊ ምሳሌ ተጠቒሙ ኢዩ። ከምቲ ጓሳ ንኣባጊዑ ዝእክበን: ንህዝቡ ኻብቲ ፋሕ ዝበሉሉ ሃገራት ክእክቦም ምዃኑ ተመባጽዐ። “ናብ ሃገረን . . . ክመልሰን: ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ . . . ክጓስየን እየ” ድማ በለ።​—⁠ህዝቅኤል 34:13

የሆዋ ኣምላኽ መንፈሳዊ ማይ እውን ክህብ ኣጸቢቑ ይደሊ ኢዩ። መጽሓፍ ራእይ ብዛዕባ እቲ ኻብ ዝፋን ኣምላኽ ዝወጽእ “ርባ ማይ ህይወት” ገሊጻ ኣላ። (ራእይ 22:⁠1) ኵላቶም ሰባት ካብዚ ማይ እዚ ንኽሰትዩ ኸኣ ጻውዒት ተገይርሎም ኣሎ። ‘ዝደለየ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽወስድ ይኽእል ኢዩ።’​—⁠ራእይ 22:⁠17

እዚ ምሳልያዊ ማይ ህይወት እዚ: ኣምላኽ ንዘለኣለማዊ ህይወት ዝገበሮ ምድላው ዘመልክት ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ‘ነቲ ሓደ በይኑ ዝዀነ ኣምላኽ ሓቅን ነቲ ዝለኣኾ የሱስ ክርስቶስን ብምፍላጥ’ ነዚ ማይ እዚ ምስታይ ክጅምር ይኽእል ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 17:⁠3

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ