ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/8 ገጽ 29
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮጋ ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ ድዩ ወይስ ካልእ ነገር ዘጠቓልል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ንፉዕ መምህር ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ብእተርእዮ ጠባይ ተሓታቲ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ካብ መጽሓፍ እዝራ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/8 ገጽ 29

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ብምንባብ ተሓጒስካዶ ኢኻ፧ እምበኣር: እስከ ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ:-

• ሓልዮት እንታይ ኢዩ: ክርስትያናት ነዛ ባህሪ እዚኣ ኸማዕብልዋ ዘለዎምከ ስለምንታይ ኢዩ፧

ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ካልኦት ቦታ ምእታው: ናይ ካልኦት ስቓይ ምርዳእ ማለት ኢዩ። ክርስትያናት ‘ዝደናገጹ: ሕውነት ዘፍቅሩ: ለዋሃት’ ክዀኑ ተማዒዶም ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ሓልዮት ብምርኣይ ዝመጸ የሆዋ ኣብነት ገዲፉልና ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠14፣ ዘካርያስ 2:⁠8) ሰማዕቲ: መስተብሃልቲ: ከምኡውን ንዅነታት ኣብ ኣእምሮና እንስእል ምስ እንኸውን ናይ ካልኦት ስምዒት ብዝያዳ ኽርድኣና ይኽእል ኢዩ።​—⁠15/4 ገጽ 24-6

• ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ: ቅድሚ እቲ ናይ ኣካላዊ ስንክልና ምሕዋይ: መንፈሳዊ ምሕዋይ ክመጽእ ዘለዎ ስለምንታይ ኢዩ፧

ብዙሓት ኣካላዊ ጥዕና ዘለዎም ሰባት ሕጉሳት ኣይኰኑን። ብኣንጻሩ ግን ብዙሓት ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ክርስትያናት ንየሆዋ ብምግልጋሎም ኣዝዮም ሕጕሳት ኢዮም። እዞም ድሮ መንፈሳዊ ምሕዋይ ዝረኸቡ ሰባት ኣብ ሓዳስ ዓለም ካብ ኣካላዊ ስንክልንኦም ክጥዕዩ ኢዮም።​—⁠1/5 ገጽ 6-7

• እብራውያን 12:⁠16 ንኤሳው ምስ ኣመንዝራ እትሰርዖ ስለምንታይ ኢያ፧

ኤሳው ብኡንብኡ ኽረኽቦ ኣብ ዝኽእል ረብሓ ኸም ዘተኰረን ንቕዱስ ነገራት ከም ዝነዓቐን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ጸብጻብ ይገልጸልና ኢዩ። ኣብዚ ግዜና ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ እንተ ኣማዕቢሉ: ናብ ከም ምንዝር ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓጢኣት ክመርሖ ይኽእል ኢዩ።​—⁠1/5 ገጽ 10-11

• ተርቱልያን እንታዋይ ኢዩ: ብምንታይከ ኢዩ ዝፍለጥ፧

ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ጸሓፍን ናይ ሃይማኖት ምሁርን ኢዩ። ንስመ⁠-​ክርስትያን ንምጥባቕ ብዙሕ ጽሑፋት ብምጽሓፉ ኸኣ ኢዩ ዝፍለጥ። ክጣበቕ ክብል ግን ኣብቲ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ንኸም ትምህርቲ ስላሴ ዝኣመሰለ ግጉይ ሰረተ⁠-​እምነት መሰረት ዝዀነ ሓሳባትን ፍልስፍናታትን ኣንበረ።​—⁠15/5 ገጽ 29-31

• ሕማምን ጠባይን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ብጂን ኢዩ ዝውሰን ክንብል ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

ሊቃውንቲ እተፈላለየ ሕማማት ብሰንኪ ጂን ኢዩ ዝመጽእ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሖም ኣለዉ: ገሊኣቶም ከኣ ጠባይና እውን ብጂንና ኸም ዝውሰን ይገልጹ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን መበቈል ወድሰብ ከምኡውን ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ብኸመይ ናብ ዓለም ከም ዝኣተወ ኣነጺሩ ይገልጸልና ኢዩ። ጂን ኣብ ልዕሊ ባህርያትና እተወሰነ ጽልዋ ኽህልዎ ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ዘይፍጽምናናን ኣከባቢናን እውን ዓብዪ ጽልዋ ይገብረልና ኢዩ።​—⁠1/6 ገጽ 9-11

• እቲ ኣብ ኦክሲሪንከስ: ግብጺ: እተረኽበ ፓፒረስ ብዛዕባ ኣብ ስም ኣምላኽ ዝነበረ ኣረኣእያ ሓድሽ ምርዳእ ዘምጽአ ብኸመይ ኢዩ፧

እዚ እዮብ 42:⁠11, 12 ዝሓዘ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ቝራጽ: እተን ቴትራግራማተን (ንስም ኣምላኽ ዝውክላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ) እውን ይርከብኦ ኢየን። እዚ ድማ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ጸሓፍቲ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት ብብዝሒ ጥቕሲ ዝወሰዱሉ ሰፕቱጀንት ብእብራይስጢ ይጸሓፍ ምንባሩ ዘርኢ ተወሳኺ መርትዖ ኢዩ።​—⁠1/6 ገጽ 30

• እቲ ዘስካሕክሕን ቅትለት ዝመልኦን ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ ዝግበር ዝነበረ ቓልስታት ምስ ኣየናይ ዘመናዊ ስፖርትታት ኢዩ ተመሳሲሉ ዘሎ፧

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ኣብ ሮማ: ኢጣልያ: ዝርከብ ኮለስየም ብቪድዮ ተቐዲሑ እተዳለወ ምርኢት: ሰብ ምስ ኣርሓ ዝገብሮ ቃልሲ: መኸተ ጕስጢ: ኣብ ናይ ማኪና ወይ ሞተር ብሽክለታ ውድድር ዘጋጠመ ዘሰቅቕ ግጭት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ስፖርትታት ተዓዘብቲ ዘለዓዓልዎ ናዕቢ ዘርኢ ነበረ። ቀዳሞት ክርስትያናት: የሆዋ ዓመጽን ዓመጸኛታትን ከም ዝጸልእ ብምግንዛቦም ካብኡ ይርሕቑ ነይሮም ኢዮም: ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ኢዮም ዝወስዱ። (መዝሙር 11:⁠5)​—⁠15/6 ገጽ 29

• ንፉዓት መምህራን ንምዃን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ: ካብ እዝራ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

እዝራ 7:⁠10 ነቲ እዝራ ዝገበሮ ኣርባዕተ ነገራት ኣጕሊሓትልና ኣላ: ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ ንኽንመስሎ ኽንጽዕር ንኽእል ኢና። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል:- “እዝራ [1] ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን [2] ንምግባርን: [3] ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ኪምህርንሲ [4] ልቡ ኣዳለወ።”​—⁠1/7 ገጽ 20

• ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ከመይ ዝበለ ክልተ ኣጋጣሚታት ኢያ ርእሳ ኽትጕልበብ ዘለዋ፧

እቲ ሓደ ኣብ ገዝኣ ኣብ ዝግበር መንፈሳዊ ንጥፈታት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ርእሳ ብምጕልባባ ሰብኣያ ጸሎት ናይ ምግባርን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ዘለዎ ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዝሃበት የንጸባርቕ። እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብ ጉባኤ ኢዩ: ኣብኡውን እቶም እተጠምቁ ደቂ ተባዕትዮ ንኽምህሩን መምርሒ ንኽህቡን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስልጣን እተዋህቦም ምዃኑ ኣፍልጦ ኸም ዝሃበት ተርኢ። (1 ቈረንቶስ 11:⁠3-10)​—⁠15/7 ገጽ 26-7

• ክርስትያናት ንዮጋ ኣካላዊ ምልምማድ ጥራይ ከም ዘይኰነን ሓደገኛ ኸም ዝዀነን ገይሮም ዝርእይዎ ስለምንታይ ኢዮም፧

ዕላማ ዮጋ ንሓደ ሰብ ምስ ልዕለ⁠-​ሰብኣዊ መንፈስ ንምቝራን ዝግበር ርእስኻ ናይ ምቕጻዕ ተግባር ኢዩ። ነቲ ኽትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ክፋል ሓሳባትካ ኸም ዘቋርጽ ምግባር ዘጠቓልል ብምዃኑ እውን ምስቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ዝጻረር ኢዩ። (ሮሜ 12:⁠1, 2) ንሓተታ መናፍስትን ሽሕርን ድማ ከቃልዕ ይኽእል ኢዩ። (ዘዳግም 18:⁠10, 11)​—⁠1/8 ገጽ 20-2

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ