ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/8 ገጽ 8
  • ‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ቃል ኣምላኽ ዚዓዪ እዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ‘የሆዋ ብዓል ዓብዪ ሓይሊ እዩ’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ብመገዲ የሆዋ ምምልላስ የበርትዓናን የሐጕሰናን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/8 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ

‘ቃል ኣምላኽ መስለጢ ኢዩ’

ኣብታ ኣብ ጃማይካ እትርከብ ጸሓይ ዘይፍለያ ደሴት ካሪብያን ዝነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም። ኪንግ ጀምስ ቨርሽን (እንግሊዝኛ) ዝበሃል ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ዘይብሉ ኣባይቲ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል ኢዩ። አረ ገለ ሰባትሲ “ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን” ምዃኑ ኣብ ህይወቶም ተመኪሮምዎ ኢዮም። (እብራውያን 4:⁠12) ካብዚ ዝስዕብ ተመክሮ ኽርአ ኸም ዝከኣል እዚ ሓይሊ እዚ ናብራ ህይወት ሰባት ክልውጥ ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ክሊቭላንድ ዝስሙ ሰብአይ ካብ ስራሕ ንገዝኡ ምስ ተመለሰ: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጾ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓድሓደ ነጥብታት ምስ ነገሮ: እታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ሃቦ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ኣስላጢ ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ኣይፈልጥን ኢዩ ነይሩ።

‘በቲ ቕኑዕ መገዲ ምእንቲ ከምልኸካ ሓግዘኒ’ እናበለ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ናብ ኣምላኽ ይጽሊ ነበረ። ወለዱ ንኣምላኽ በቲ ቕኑዕ መገዲ የምልኹዎ ኸም ዘይነበሩ እኳ እንተ ተገንዘበ: ንኻልኦት ሃይማኖታት መርሚሩ ቕኑዓት ኰይነን ስለ ዘይረኸበን ተስፋ ኣቝሪጽዎ ነበረ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰሚዑ እኳ እንተ ነበረ ምጥርጣር ግን ነይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ምስቲ ፈለማ ናብ ገዝኡ ዝመጸ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማምዐ። ስለምንታይ፧ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ክረኽበሎም ይደሊ ስለ ዝነበረ ኢዩ!

እቲ ምስ ክልተ ኣንስቲ ዝነበሮ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ርክብ ንኣምላኽ ከም ዘጕህዮ ኸኣ ቐልጢፉ ተገንዘበ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) ምስቲ ናይ የሆዋ ምስክር ክልተ ሳዕ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጽንዐ ምስተን ኣንስቲ ዝነበሮ ርክብ ኣቋረጾ። ክርስትያናዊ ኣኼባታት ከኣ ኽካፈል ጀመረ። እዚ ግን ኻልእ ፈተና ኣምጽኣሉ።

ኣብ ከባቢኡ ኣብ ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ፍሉጥ ተጻዋታይ ስለ ዝነበረ: እቲ ዝጻወትሉ እዋናት ኣኼባ ንኸይካፈል ዕንቅፋት ኰኖ። እንታይ ደኣ ኽገብር ነበሮ፧ ካብ ደቂ ጋንትኡ: ኣሰልጣኒኡ: ኣዕሩኽቱ ብዙሕ ጸቕጥታት እኳ እንተ ተገብረሉ ካብ ጋንትኡ ኽወጽእ ወሰነ። እወ: ቃል ኣምላኽ መስለጢ ብምዃኑ ድሮ ጽቡቕ ጽልዋ ከሕድረሉ ጀሚሩ ነበረ።

ብዛዕባ እቲ ዝረኸቦ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት ክነግር ብምጅማሩ እውን ቃል ኣምላኽ መስለጢ ምዃኑ ጐሊሑ ተራእየ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠8) ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኽልተ ኻብቶም ደቂ ጋንትኡ ዝነበሩ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክእከቡ ጀመሩ። ክሊቭላንድ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ንምዃን ምስ በቕዐ ብቓል ኣምላኽ ገይሩ ንኻልኦት እናሓገዘ ኣብ ኣገልግሎቱ ዓብዪ ሓጐስ ረኸበ።

ቀጺሉ በቲ መስለጢ ዝዀነ ቃል ኣምላኽ ብምልዕዓል ህይወቱ ንየሆዋ ወፍዩ ኣብ ማይ ተጠምቀ። ሕጂ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋልን ኣገልጋሊ ጉባኤን ናይ ምዃን ክቡር መሰል ረኺቡ ኣሎ።

ኣብ ጃማይካን ኣብ ካልእ ሃገራትን ዝነብሩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ቃል ኣምላኽ ብርግጽ “ህያውን መስለጥን” ምዃኑ ኽፈልጡ ኽኢሎም ኣለዉ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

For fully formatted text, see publication)

ጃማይካ

[ምንጪ ስእሊ]

Map and globe: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ