ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/7 ገጽ 32
  • ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ እተሰርሐ መሰውኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ እተሰርሐ መሰውኢ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/7 ገጽ 32

ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ እተሰርሐ መሰውኢ

ብ50 ከ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ኣቴና ኸይዱ ነይሩ። ኣብኡ ኸኣ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ እተወፈየ መሰውኢ ረኣየ: ጸኒሑ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ጽቡቕ ምስክርነት ክህብ ከሎ ነዚ ጠቐሶ።

ጳውሎስ ኣብቲ ኣብ ኣርዮስፋጎስ ዘቕረቦ መእተዊ ዝርርብ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ሰብ ኣቴና: ብዅሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ: እርእየኩም አሎኹ። እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ: ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዚብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም: ንእኡ ኣነ እነግረኩም አሎኹ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31

እቲ ኣብ ኣቴና ዝነበረ መሰውኢ ሕጂ እኳ እንተ ዘየሎ: ኣብ ካልእ ቦታታት ግሪኽ ግን ተመሳሳሊ መሰውኢታት ተረኺቡ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ካልኣይ ዘመን ዝነበረ ግሪኻዊ ናይ ጂኦግራፊ ምሁር ፓውሳንያስ ኣብታ ጥቓ ኣቴና እትርከብ ፋሊረን ብዛዕባ ዝነበረ “ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ” እተሰርሐ መሰውኢታት ጠቒሱ ኢዩ። (ደስክሪፕሽን ኦቭ ግሪክ: ኣቲካ I: 4) ብመሰረት እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ኦሎምፕያ እውን “ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ እተሰርሐ መሰውኢ” ነይሩ ኢዩ።​—⁠ኢሊያ I: XIV: 8

እቲ ፊሎስትራቱስ እተባህለ ግሪኻዊ ጸሓፊ (ከባቢ 170-245 ከ.ኣ.ዘ.) ኣብታ ዘ ላይፍ ኦቭ ኣፖሎኒዩስ ኦቭ ትያና (VI: III) ዘርእስታ ጽሑፉ: ኣብ ኣቴና “ንኽብሪ ዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ ተባሂሉ እውን ከይተረፈ መሰውኢታት ይስራሕ” ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ብዲዮጀነስ ላርትዩስ (ከባቢ 200-250 ከ.ኣ.ዘ.) እተዳለወት ላይፍ ኦቭ ፊሎሶፈርስ (1.110) ዘርእስታ ጽሕፍቲ ድማ “ስም ዘይብሉ መሰውኢታት” ኣብ እተፈላለየ ኽፍሊ ኣቴና ኸም ዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ።

ሮማውያን እውን ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ መሰውኢታት ሰሪሖም ኢዮም። እዚ ኣብዚ ስእሊ ዝርአ ዘሎ ኣብ ቀዳማይ ወይ ካልኣይ ዘመን ቅ.ኣ.ዘ. ዝነበረ መሰውኢ ዀይኑ ኣብ ሮማ: ኢጣልያ: ኣብ ዝርከብ ናይ ፓላቲን ቅርስታት ቤተ⁠-​መዘክር ተቐሚጡ ይርከብ። እቲ ብላቲን ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ: እቲ መሰውኢ “ንተባዕታይ ኰነ ንኣንስተይቲ ኣምላኽ” እተወፈየ ምዃኑ ይገልጽ፣ እዚውን “ኣብ ጸሎት ወይ እቲ መሰውኢ ኽውፈ ኸሎ ብጽሑፍ ዝግለጽ እተለምደ ቓላት” ኢዩ ነይሩ።

ሕጂውን እንተዀነ ብዙሓት ሰባት ነቲ “ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ” ኣይፈልጥዎን ኢዮም። ከምቲ ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ዝነገሮም ግን እዚ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ እዚ ‘ኻብ ነፍሲ ወከፍና ርሑቕ ኣይኰነን።’​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 27

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Altar: Soprintendenza Archeologica di Roma

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ