ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/6 ገጽ 31
  • ምስጢር ዝቕልዓሉ ግዜ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምስጢር ዝቕልዓሉ ግዜ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/6 ገጽ 31

ምስጢር ዝቕልዓሉ ግዜ

ንሓደ ጕዳይ ምስጢር ገይርካ ምሓዙ ሰላም: ምቕልዑ ኸኣ ጸገም ዘምጽእ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን ደኣ እምበር: ሓደ ምስጢር ዝነበረ ጕዳይ ዝቕልዓሉ ግዜ ኣሎዶ፧ ነብዪ ኣሞጽ ብዛዕባ ኣምላኹ “እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም: ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ” ከም ዝበለ ኣስተብህል። (ኣሞጽ 3:⁠7) ካብዚ ቓላት እዚ ብዛዕባ ምስጢር ገለ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሓድሓደ ነገራት ንእተወሰነ ግዜ ምስጢር ገይሩ ድሕሪ ምሓዙ ንገለ ኻብ ኣገልገልቱ ኽገልጸሎም ይኽእል ኢዩ። በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ ብኸመይ ኢና ንየሆዋ ኽንመስሎ እንኽእል፧

ሓድሓደ ግዜ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ እተሸሙ ሽማግለታት ንገለ እተወሰነ ነገራት ምስጢር ገይሮም ክሕዝዎ ጠቓሚ ዀይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠28) ንኣብነት: ነታ ጉባኤ ዝምልከት ናይ ሓላፍነት ዕዮታት ዝገበርዎ ዝርዝር ምትዕርራያት ወይ ለውጥታት ምእንቲ ጥቕሚ እታ ጉባኤ ኢሎም ንእተወሰነ ግዜ ምስጢር ገይሮም ንኽሕዝዎ ይውስኑ ይዀኑ።

ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብዛዕባ እቲ ነገር ክንገር ዘድሊ እንተደኣ ዀይኑን መዓስን ብኸመይን ክግለጽ ከም ዘለዎን ነቶም ዝምልከቶም ሰባት ምንጻሩ ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ነገር መዓስ ከም ዝቕላዕ ምፍላጦም ነቲ ምስጢር ዓቂቦምዎ ኽጸንሑ ኽሕግዞም ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 25:⁠9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ