ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/6 ገጽ 32
  • “ናብ ታሕቲ ወረዱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናብ ታሕቲ ወረዱ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/6 ገጽ 32

“ናብ ታሕቲ ወረዱ”

“መዓሙቝ ከደኖም: ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ።”

ሙሴን እስራኤላውያንን ካብ ቀይሕ ባሕሪ ብምድሓኖምን እቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ግብጻውያን ጸላእቶም​—⁠ፈርኦንን ወተሃደራዊ ሰራዊቱን​—⁠ከኣ ብምጥፍኦምን እዘን ቃላት እዚኣተን ዘመሩ።​—⁠ዘጸኣት 15:⁠4, 5

ነዚ ዘስተንክር ተግባር እዚ ብዓይኑ ዝረኣዮ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝረኽቦ ትምህርቲ ንጹር ኢዩ። ንስልጣን የሆዋ ተቓዊሙ ብህይወት ክነብር ዝኽእል ሰብ ዋላ ሓደ የለን። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ምርኡያት እስራኤላውያን​—⁠ቆራሕ: ዳታን: ኣቢራምን 250 ደገፍቶምን​—⁠ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ስልጣን ሙሴን ኣሮንን ብጋህዲ ተቓወምዎ።​—⁠ዘሁልቍ 16:⁠1-3

ሙሴ ካብ የሆዋ ብእተዋህቦ መምርሒ: ንእስራኤላውያን ካብ ድንኳን እቶም ዓለወኛታት ሰባት ክርሕቑ ኣጠንቀቖም። ዳታንን ኣቢራምን ኰኑ ኣባላት ስድራ​ቤቶም መትከሎም ክቕይሩ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን። ሽዑ ሙሴ: የሆዋ ባዕሉ እዞም ሰባት እዚኣቶም ‘ከም ዝነዓቕዎ’ ብናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ገይሩ ኸነጽሮ ምዃኑ ኣወጀ። ኣብዚ ደረጃ እዚ የሆዋ ነቲ ዝረገጽዎ መሬት ኣብ ክልተ ጨደዶ። “ንሳቶም ምስ ኵሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ: ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም።” ቈራሕን እቶም ካልኦት ዓለወኛታትንከ፧ “ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሓዊ ወጸ: ነቶም ዚዐጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።”​—⁠ዘሁልቍ 16:23-35፣ 26:10

ፈርኦንን ሰራዊቱን እቶም ኣብ በረኻ ዝነበሩ ዓለወኛታትን ንስልጣን የሆዋን ኣብ ጕዳይ ህዝቡ ንዝነበሮ ተገዳስነትን ኣፍልጦ ስለ ዘይሃቡሉ ጠፊኦም ኢዮም። ስለዚ እምበኣር: ኵሎም እቶም ኣብዚ ጽንኩር መዓልትታት እዚ ዕቝባ የሆዋ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ውዓል ሕደር ከይበሉ ብዛዕባ የሆዋ ኽመሃሩ: ከም ‘ልዑልን ኵሉ ዝኽእልን’ ኣምላኽ ገይሮም ኣፍልጦ ብምሃብ ከኣ ክእዘዝዎ ይግባእ። ከምዚ ምስ ዝገብሩ ነቲ የሆዋ ከምዚ ብምባል እተዛረቦ ቓላት ክተኣማመንሉ ይኽእሉ ኢዮም:- “ኣብ ጥቓኻ ሽሕ: ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም: ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ: ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ: ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ: ኢልካ ኢኻ እሞ: ንልዑልሲ መጸግዒኻ [ገበርካዮ።]”​—⁠መዝሙር 91:1, 7-9

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ