ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/5 ገጽ 32
  • ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/5 ገጽ 32

ንፍቕሪ ኣምላኽ ተማስወሉ ዲኻ፧

እቲ እዮብ ዝበሃል ሰብኣይ ሓደ እዋን ነዚ ዘይፍጹም ወድሰብ ዘለዎ ዅነታት በዚ ዝስዕብ ቃላት ገይሩ ገለጾ:- “ሰብ: ውሉድ ሰበይቲ: ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር እዩ። ከም ዕንባባ ይዕንብብ: ይጽምሉ ኸኣ: ከም ጽላሎት ይሀድም: ኣይነብርን ድማ።” (እዮብ 14:1, 2) እዮብ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ዝነበረ ህይወት ስቓይን መግደራን ዝመልኦ ኢዩ ነይሩ። ከምኡዶ ተሰሚዑካ ይፈልጥ፧

ብዙሕ ሽግራትን ጸገማትን እኳ እንተ ኣጋጠመና: ኣብ ድንጋጽን ፍቕርን ኣምላኽ እተመርኰሰት ድልዱል መሰረት ዘለዋ ተስፋ ግን ኣላ። ብቐዳምነት: እቲ መሓሪ ሰማያዊ ኣቦና ንደቅ​ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ንምውጻእ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣዳልዩ ኣሎ። ብመሰረት ዮሃንስ 3:⁠16, 17 የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ን[ናይ ደቅሰብ] ዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ [የሱስ]: ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር: ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለአኾን።”

ኣምላኽ ነቶም ዘይፍጹማት ዝዀንና ደቅሰብ ዘለዎ ጽቡቕ ኣረኣእያ እውን ሕሰብ እሞ ኣብሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ በለ:- “ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዅላ ምድሪ ኺነብሩ ዅሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ: ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ: ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ: ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ሕስብ እሞ ኣብሎ! ዘይፍጹማት እኳ እንተዀንና: ምስቲ ፈቃር ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት ንኽእል ኢና።

ስለዚ ኣምላኽ ከም ዝሓልየልና: ንነባሪ ጥቕምና ኢሉ እውን ብፍቕሪ ምድላዋት ከም ዝገበረልና ምፍላጥና ብዛዕባ መጻኢና ምትእምማን ክሓድረና ይኽእል ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:⁠7፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13) እምበኣር ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ብዛዕባ ፈቃር ኣምላኽና ንኽንማሃር ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ