ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 1/5 ገጽ 3
  • ስንክልና ደረት የብሉን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስንክልና ደረት የብሉን
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መሓውርካ ተቘሪጹ ኸሎ ሕጉስ ናብራ ምንባር
    ንቕሑ!—1999
  • እተቐብረ ነተጕቲ ንዘምጽኦ ሳዕቤን ምምዛኑ
    ንቕሑ!—2001
  • ኵሉ ዓይነት ስንክልና ዘይህልወሉ ግዜ
    ንቕሑ!—1999
  • ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 1/5 ገጽ 3

ስንክልና ደረት የብሉን

ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንዝነብር ክርስቸን ዝስሙ ሰብኣይ ወተሃደራት ኣገዲዶም ብምውሳድ ኣብ ሰራዊቶም ክጽንብርዎ ጸዓሩ። ንሱ ግን ብምኽንያት እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልንኡ ኣበዮም። እቶም ወተሃደራት ኣብ ሓደ መዓስከር ወሰድዎ እሞ ንኣርባዕተ መዓልቲ ዝኣክል ምስ ቀጥቀጥዎ ሓደ ካባታቶም ኣብ እግሩ ተኰሰሉ። ክርስቸን ዝገበረ ገይሩ ናብ ሆስፒታል በጽሐ: እንተዀነ ግን ካብ ብርኩ ንታሕቲ ክቝረጽ ነበሮ። ኣብ ሓንቲ ኻልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከኣ: ንኣሽቱ ቘልዑ እውን ከይተረፉ ብዕጡቓት ተቓወምቲ መሓውሮም ተቘሪጹ ኢዩ። ካብ ካምቦድያ ክሳዕ ባልካን: ካብ ኣፍጋኒስታን ክሳዕ ኣንጎላ ድማ እተቐብረ ነታጒ ንመንእሰያትን ዓበይትን ከይፈላለየ የሰንክሎም ኣሎ።

ካልእ ስንክልና ከምጽእ ዝኽእል ከኣ ሓደጋ​ታትን ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕማምን ኢዩ። ኣብ ኣከባቢ ዝርከብ መርዚ እውን ከይተረፈ ናብ ስንክልና ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ጐረባብቲ ናይ ሓንቲ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ እትርከብ ከተማ ዝነብሩ ሓያሎ ቘልዑ ሓደ ኢድ ዘይብሎም ኰይኖም ተወልዱ። ትሕቲ ኵርናዕ ኢዶም ሓጺር ጕርማጽ ጥራይ ኢዩ ዘለዎም። እዚ ኸኣ ብምኽንያት ከሚካላዊ ብኽለት እተፈጥረ ናይ ስነ⁠-​ውርሻ ምብልሻው ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። ማእለያ ዘይብሎም ብዙሓት ሰባት ምሉእ መሓውር እናሃለዎም ክነሱ ብምኽንያት ልምሰት ኣካላት ወይ ብኻልእ ሰንኪሎም ኢዮም። እወ: ስንክልና ደረት የብሉን።

ጠንቁ ብዘየገድስ ስንክልና ሕልና ዘዕርብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ጁንየር ኣብ 20 ዓመቱ ጸጋማይ እግሩ ኻብ ብርኩ ንታሕቲ ተቘርጸ። ጸኒሑ ኸምዚ በለ:- “ብዙሕ ስምዒታዊ ጸገማት ነይሩኒ ኢዩ። ድሕሪ ደጊም እግረይ ኣይክረኽባን ኢየ ብምባል ኣምሪረ እበኪ ነበርኩ። እንታይ ከም ዝገብር ሕርብት ኢሉኒ ነበረ።” ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ኣመለኻኽታ ጁንየር ተቐየረ። መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ጀመረ እሞ እቲ እተማህሮ ነገራት ስንክልንኡ ኽኢሉ ንኽመላለስ ሓጊዝዎ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ተሓጒሱ ዝነበረሉ እዋን ከም ዘሎ ዝገልጽ ዘደንቕ ተስፋ እውን ሂብዎ ኢዩ። ስንኩል እንተደኣ ዄንካ ንስኻውን እዚ ተስፋ እዚ ኽትረክብ ምደለኻዶ፧

ትደሊ እንተደኣ ዄንካ ነዛ እትቕጽል ዓንቀጽ በጃኻ ኣንብባ። ፈጣሪ ነቶም ዕላምኡ ዝመሃሩን ምስኡ ተሰማሚዖም ክነብሩ ዝደልዩን ሰባት እንታይ ኣዳልይሎም ከም ዘሎ ባዕልኻ ምእንቲ ኽትግንዘብ ነቲ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስካ እናገንጸልካ ከተንብቦ ንላበወካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ