ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/4 ገጽ 32
  • ምህዳም ጥበብ ዝዀነሉ ግዜ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምህዳም ጥበብ ዝዀነሉ ግዜ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/4 ገጽ 32

ምህዳም ጥበብ ዝዀነሉ ግዜ

ሎሚ ዘላ ዓለም ዓሻ ድፍረትን ናይ ምግታር መንፈስን ዝንጸባረቐላ ወይ ድማ ብፈታኒ ዅነታት ዝመልአት ኢያ። ካብ ሓደ ፈታኒ ዅነታት ዝሃድም ሰብ ብሓፈሽኡ ኸም ሰነፍ ወይ ፈራህ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። አረ መስሓቕ ሰብ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ግን ምህዳም ጥበብን ትብዓትን ዝዀነሉ እዋን ከም ዘሎ ብንጹር ይገልጽ ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣገልግሎት ቕድሚ ምልኣኹ “ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም: ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ” ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣረጋጊጽዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 10:​23) እወ: ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ሰጐጕቶም ንምምላጥ ክጽዕሩ ነይርዎም። ንኻልኦት እምነቶም ኣገዲዶም ንኸቐይሩ ኢሎም ሃይማኖታዊ ውግእ ኸላዕሉ ኣይነበሮምን። ናይ ሰላም መልእኽቲ ኢዮም ጸይሮም ነይሮም። (ማቴዎስ 10:​11-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34-37) ስለዚ ክርስትያናት ኣብ ክንዲ ዝቝጥዑ ኻብቶም ዝተዃትኽዎም ምእንቲ ኽርሕቑ ኽሃድሙ ነበሮም። በዚ ኸምዚ ነቲ ሰናይ ሕልናኦምን ምስ የሆዋ ዘለዎም ክቡር ርክብን ይዕቅቡ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠1, 2

ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ምሳሌ ምስዚ ዝጻረር ስጕምቲ ናይ ዝወሰደ ሰብ ኣብነት ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብኡ ብዛዕባ ሓደ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ ኣብ ክንዲ ዝሃድም: “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚዅብኰብ ብዕራይ” ደድሕሪ ኣመንዝራ ዝኸደ ጐበዝ ይነግረና። ሳዕቤኑኸ፧ ንነፍሱ ሓደጋ ኣብ ዘምጽኣላ ፈተና ብምውዳቑ ጥፍኣት ኣጋጠሞ።​—⁠ምሳሌ 7:⁠5-8, 21-23

ንስኻኸ ጾታዊ ርኽሰት ንኽትፍጽም ወይ ንኻልእ ሓደገኛ ነገራት ንኽትጋጠም ፈተና ምስ ዘጋጥመካ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እቲ ኽንወስዶ ዘሎና ግቡእ ስጕምቲ ምህዳም ወይ ካብቲ ቦታ ቀልጢፍና ምርሓቕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 4:⁠14, 15፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠18፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:⁠22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ