ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/2 ገጽ 32
  • ጽሩይ ሕልና ክንደይ ኢዩ ዝኽፈሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጽሩይ ሕልና ክንደይ ኢዩ ዝኽፈሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/2 ገጽ 32

ጽሩይ ሕልና ክንደይ ኢዩ ዝኽፈሎ፧

“መንግስቲ 20,000 ረያል ንኽቕበል ተወሰነ።” እዚ ዘይልሙድ ኣርእስቲ እዚ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ካሪዮ ዶ ፖቮ ኣብ ዘርእስቱ ናይ ብራዚል ጋዜጣ ኢዩ ወጺኡ። እታ ዓንቀጽ ሓደ ሉዊ ኣልቮ ዲ ኣራውጆ እተባህለ ቡስጣ ዘበጻጽሕ ሰብ ዝገበሮ ኢያ እትገልጽ። ንሱ ነቲ መንግስቲ ቃጽዖ መሬት ሸጠሉ። ንብረቱ ንመንግስቲ ኸም ዝሸጠ ዝሕብር ሰነድ ድሕሪ ምፍራሙ ኸኣ ካብቲ እተሰማምዕሉ ዋጋ ብ20,000 ረያል (8,000 ዶላር ኣመሪካ ኣቢሉ ዝበጽሕ) ዝዛይድ ገንዘብ ከም እተቐበለ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ደንጸዎ!

ይኹን እምበር ነቲ እተቐበሎ ዝያዳ ገንዘብ ምምላስ ቀሊል ኣይነበረን። ናብ እተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈት ናይቲ መንግስቲ ብዙሕ ግዜ ድሕሪ ምምልላሱ ኸኣ ጠበቓ ቘጺሩ ጉዳዩ ኣብ ቤት ፍርዲ ንኸቕርቦ ተነግሮ። መንግስቲ ነቲ ገንዘብ ተቐቢሉ ነቲ እተገብረ ወጻኢታት ዝሽፍን ገንዘብ ንኽኸፍል ዝበየነ ዳኛ ከምዚ በለ:- “ሓደ ሰብ ከም እተጋገየ ፍሉጥ ኢዩ: ብምኽንያት ቢሮክራሲያዊ ኣሰራርሓ ኸኣ ነቲ ዅነታት ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ዝፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ጕዳይ ዘጋጥመኒ ዘሎ ንመጀመርታ ግዜ ኢዩ።”

እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ ሉዊ “እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናይ ዘይናተይ ንኽወስድ ኣይፈቐደለይን። ነቲ ገንዘብ ንምምላስ ከኣ ጻዕሪ ኽገብር ነበረኒ” በለ።

ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣመለኻኽታ ኣዝዩ ኽገርሞም ወይ ንምርድኡ ኸጸግሞም ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምስ ሰበ⁠-​ስልጣን ኣብ ዘራኽቦም ጕዳያት ጽሩይ ሕልና ምሓዝ ኣኽቢሮም ከም ዝርእይዎ ቓል ኣምላኽ ይነግረና ኢዩ። (ሮሜ 13:5) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛታት ኰይኖም:” NW ] እናተመላለሱ ሰናይ ሕሊና ሒዞም’ ክነብሩ ቘራጽነት ገይሮም ኢዮም።​—⁠እብራውያን 13:⁠18

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ