ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ “ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን” ዝብል ኣብ እብራውያን 12:4 ዘሎ ሓሳባት እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
እታ ‘ክሳዕ ኣብ ደም እትበጽሕ ምቅዋም’ እትብል ሓሳብ ክሳዕ እትመውት: ቃል ብቓሉ ኸኣ ደምካ ክሳዕ እትፈስስ ምጽማም ዝብል ሓሳብ ኢያ እተመሓላልፍ።
ሃዋርያ ጳውሎስ: ገለ እብራውያን ክርስትያናት ብምኽንያት እምነቶም ድሮ ‘ብዙሕ ገድልን ስቓይን ከም እተዓገሱ’ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 10:32, 33) ጳውሎስ ነዚ ኸጕልሖ ኸሎ ነቲ ኣብ ናይ ግሪኽ ውድድር ኣትሌቲክስ ዝነበረ ቓልሲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ኢዩ ዝዛረብ ነይሩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ውድድር ቅድድም እግሪ: ቅልስ: መኸተ ጕስጢ: ከምኡውን ዲስካስን ጃቨሊንን ዘጠቓልል ኢዩ ነይሩ። በዚ መሰረት እዚ ኸኣ ኣብ እብራውያን 12:1 ንብጾቱ ክርስትያናት ከምዚ ብምባል ተላበዎም:- “ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ።”—እብራውያን 12:1 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
ጳውሎስ: ድሕሪ ሰለስተ ቍጽርታት ማለት ኣብ እብራውያን 12:4 ካብ ጕያ እግሪ ናብ ናይ መኸተ-ጕስጢ ውድድር ዝቐየረ ኢዩ ዝመስል። (ክልቲኡ ናይ ውድድር ዓይነት ኣብ 1 ቈረንቶስ 9:26 ተጠቒሱ ኣሎ።) ናይ ጥንቲ ተጓሰጥቲ ጉምቦ ኢዶምን ዕምኰኦምን ብምራን እተጠቕለል ኢዩ ነይሩ። እቲ ምራን ከኣ “ዓረር: ሓጺን: ወይ ብረት እተደረቦ” ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: “እዚ ኸኣ ነቶም ተጓሰጥቲ ከቢድ ጕድኣት ዘውርደሎም ኢዩ ነይሩ።” እዚ ጭከና ዝመልኦ ውድድር እዚ መድመይቲ አረ ሓድሓደ ግዜስ ሞት እውን ከይተረፈ ከስዕብ ዝኽእል ኢዩ ነይሩ።
እብራውያን ክርስትያናት ናይቶም ክሳዕ ሞት ማለት ‘ክሳዕ ኣብ ደም ዝበጽሑ’ እውን ከይተረፈ መስጐጕትን ጭከና ዝመልኦ ማህሰይትን ዝወረዶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ እኹል ኣብነት ነይርዎም ኢዩ። ጳውሎስ ነቶም ጥንታዎት እሙናት ሰባት ዘጋጠሞም ተመክሮ ኣመልኪቱ እተዛረቦ ኣብ ከባቢ እቲ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ነስተብህለሉ:-
“ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ: ተመገዙ: ተፈተኑ: ተሰይፎም ሞቱ: ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ: ሰአኑ: ጸበቦም: ሓሳረ መከራ ጸገቡ።” ብድሕርዚ ጳውሎስ ኣብቲ ፈጻም እምነትና ዝዀነ የሱስ ብምትኳር “ሕፍረት ንዒቑ: . . . መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።—እብራውያን 11:37፣ 12:2
እወ: ብዙሓት ‘ክሳዕ ኣብ ደም’ ማለት ክሳዕ ኣብ ሞት ‘ዝበጽሑ ተቓዊሞም’ ኢዮም። እቲ ዘርኣይዎ ምቅዋም ካብቲ ምስ ጕድለት እምነት እተተሓሓዘ ሓጢኣት ዝገብርዎ ብሕታዊ ቓልሲ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። ካብ ካልኦት ጭከና ዝመልኦ ማህሰይቲ እናወረዶም ክነሱ ክሳዕ ሞት እሙናት ኰይኖም ኢዮም።
ኣብታ ጉባኤ የሩሳሌም ዝነበሩ ሓደስቲ ሰባት: ምናልባት እቲ ቅድም ዝወርድ ዝነበረ መሪር መስጐጕቲ ድሕሪ ምቍራጹ ክርስትያናት ኰይኖም ክዀኑ ስለ ዝኽእሉ: ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ፈተናታት ኣሕሊፎም ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 7:54-60፣ 12:1, 2፣ እብራውያን 13:7) ገና ግን እቲ ማዕረ ኽንድኡ ከቢድ ዘይኰነ ፈተናታት እውን እንተዀነ ንገለ ካባታቶም ኣብቲ ቓልሲ ንኸይቅጽሉ ተስፋ የቝርጾም ነይሩ ኢዩ: ‘ይደኽሙን ነፍሳቶም ይሕለላን ነበራ።’ (እብራውያን 12:3) ናብ ብስለት ክበጽሑ የድልዮም ነይሩ ኢዩ። ዝመጸ ይምጻእ: ደሞም ክሳዕ ኣብ ምፍሳስ ዘብጽሕ ኣካላዊ ማህሰይቲ እውን እንተ በጽሖም: ነቲ ንምጽማም ዘድልዮም ክእለት ዘደልድለሎም ኢዩ ነይሩ።—እብራውያን 6:1፣ 12:7-11
ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ክርስትያናት እምነቶም ከይለማመጡ ኽብሉ ስለ እተቐትሉ ‘ክሳዕ ኣብ ደም ዝበጽሑ ተቓዊሞም ኢዮም።’ እተን ኣብ እብራውያን 12:4 ዘለዋ ቓላት ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ዘጃጅዋና: ንኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ብምሕላው ዝመጸ ኽሳዕ ኣበይ ክንበጽሕ ኸም ዘሎና ዘዘኻኽራና ገይርና ክንጥቀመለን ንኽእል ኢና። ድሕርዚ ጳውሎስ ኣብታ ናብ እብራውያን ዝሰደዳ መልእኽቲ “ንኣምላኽ ብዜሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን” ኢሉ ጽሒፉ ኢዩ።—እብራውያን 12:28