ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w02 15/2 ገጽ 23
  • ካብ ንፋስ ከም ከውሊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ንፋስ ከም ከውሊ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንነዊሕ እዋን ጸኒዑ ዝነብር ኣእዋም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ‘ንሽማግለታት ይጸውዕ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • “መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ እያ ተወዲባ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
w02 15/2 ገጽ 23

ካብ ንፋስ ከም ከውሊ

ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ኣልፕ: ኣልፓይን ሮዝ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጽኑዕ ቍጥቋጥ ኣሎ። እዚ ደኽዳኽ ናይ ኣኽራን ጽጌረዳ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ንፋስ ከበሳ ንኽኽወል ኣብ ጽዑቕ ናይ ቍጥቋጥ ጣሻ ምስ መሬት ጠቢቑ ኢዩ ዝበቍል። እቲ ወትሩ ዝነፍስ ንፋስ: ሙቐት ከም ዝንኪ ብምግባር: ጠሊ ኣየር ይኹን ሓመድ ብምንቃጽ: ሰራውሩ ብምምሓው ንህላወ ናይዚ ኣብ ኣኽራን ዝበቍል ኣታኽልቲ ኣብ ዘስግእ ኵነታት ኢዩ ዘብጽሖ።

እቲ ናይ ኣኽራን ጽጌረዳ ኣብ ነቓዕ ክፍሊ ኣኻውሕ ብምብቋል ካብቲ እቲ ንፋስ ዘምጽኦ ሓደጋ የምልጥ። እቲ ኣኻውሕ ነቲ ተኽሊ ዝኣክል ሓመድ እኳ እንተ ዘይብሉ: ኻብቲ እቲ ንፋስ ዘምጽኦ ሓደጋ ግን ይከላኸለሉ ኢዩ: ማይ ንኸዕቍር ከኣ ይሕግዞ። እዚ ተኽሊ እዚ ንብዙሕ ኣዋርሕ ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ ጽባሕ ክረምቲ ነቲ ኣኽራናት ብድሙቕ ቀያሕቲ ዕምባባታት ይስልሞ።

ነብዪ ኢሳይያስ: ኣምላኽ “መሳፍንቲ” ከም ዝሸይም እሞ ነፍሲ ወከፎም ድማ “ካብ ንፋስ ከም ከውሊ” ከም ዝዀኑ ገሊጹ ኣሎ። (ኢሳይያስ 32:1, 2) እዞም መንፈሳውያን መሳፍንቲ ወይ ተዓዘብቲ እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ልክዕ ከምቲ ዘይነቓነቕ ኣኻውሕ ኣብ እዋን ውጥረት ወይ ጸበባ ጽኑዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ነቶም ኣብ ኣሸጋሪ ዅነታት ዝርከቡ ብጾቶም ዘተኣማምን መጽለሊ ይዀንዎም: ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኽብዎ ዕቑር መንፈሳዊ ማዮም ክዕቅቡ ኸኣ ይሕግዝዎም።

እቲ ብመልክዕ መስጐጕቲ: ተስፋ ምቝራጽ ወይ ስንክልና ዝመጽእ ንፋስ: ንሓደ ኣብ ዕቝባ ዘየለ ክርስትያን እናጸፍዐ እምነቱ ኸም እትቕምስል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ክርስትያን ሽማግለታት: ግድላቱ ኽገልጸሎም ከሎ ጽን ኢሎም ብምስማዕ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ትምህርቲ ብምሃብ: መተባብዒ ወይ ግብራዊ ሓገዝ ብምልጋስ ዕቝባ ክዀንዎ ይኽእሉ ኢዮም። ልክዕ ነቲ እተሾመ ንጉሶም የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል ነቶም “ፋሕ ዝበሉ” ብጾቶም ክሕግዝዎም ይደልዩ ኢዮም። (ማቴዎስ 9:⁠36) ነቶም ብንፋስ ናይ ሓሶት ትምህርቲ እተጐድኡ ኻልኦት ሰባት እውን ክሕግዝዎም ይደልዩ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:⁠14) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ግዜኡ ዝወሃብ ሓገዝ ጠቓሚ ዀይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ።

ሚርያም ከምዚ ትብል:- “መሓዙተይ ካብ መገዲ ሓቂ ምስ ወጻ ሰንበድኩ: ምስናይዚ እውን ኣቦይ ናይ ሓንጎል መድመይቲ ኣጋጠሞ። ካብቲ ጭንቀት ንኽገላገል ኢለ ምስ ዓለማዊ ወዲ ተዓራረኽኩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ: ዋጋ ዘይብለይ ኰይኑ ክስምዓኒ ጀመረ: የሆዋ ኸፍቅረኒ ኣይክእልን ኢዩ ኢለ ስለ ዝደምደምኩ ኸኣ ካብ ሓቂ ኽወጽእ ከም ዝወሰንኩ ነቶም ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ነገርክዎም።

“ኣብዚ ወሳኒ ግዜ እዚ: ሓደ ደንጋጺ ሽማግለ ነቲ ከም ስርዓታዊ ፓይነር ኰይነ ዘገልገልክሉ ዓመታት ኣዘኻኸረኒ። ተኣማንነተይ ዅሉ ግዜ ከም ዘማስወሉ ነገረኒ: ከምኡውን እቶም ሽማግለታት ንኽሕግዙንን የሆዋ የፍቅረኒ ምዃኑ ምትእምማን ንኸሕድሩለይን ኣጋጣሚ ኽህቦም ብሕያውነት ሓተተኒ። ኣብታ ወሳኒት እዋን እቲኣ ዘርኣዩኒ ፍቕራዊ ተገዳስነት ካብቲ ዘናውጸኒ ዝነበረ መንፈሳዊ ህቦብላ ‘ከም ከውሊ’ ዀይኖምኒ ኢዮም። ኣብ ውሽጢ ወርሒ ኸኣ ምስቲ ወዲ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋረጽክዎ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኣብ መገዲ ሓቂ እመላለስ ኣሎኹ።”

ሽማግለታት: ክርስትያናት ብጾቶም ሳላ እቲ ኣብ ግዜኡ ዝገበሩሎም ዕቝባ ብመንፈስ በልጺጎም ክርእይዎም ከለዉ ኣዝዩ ኢዩ ዘሐጕሶም። እዞም “ከውሊ” እዚኣቶም ድማ ሕጂ መርኣያ ናይቲ ኣብ እዋን ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ እነስተማቕሮ ኣኽል ታርፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ይህቡና ኣለዉ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ