ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/12 ገጽ 8
  • “ጌጋ ቝጽሪ ኢኺ ደዊልኪ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ጌጋ ቝጽሪ ኢኺ ደዊልኪ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ጌርካ ቕሳነት ክትረክብ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ይቕይር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ናብ መበቈል ዓዶም ዚምለሱ፡ ዚረኽብዎ ብዙሕ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/12 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

“ጌጋ ቝጽሪ ኢኺ ደዊልኪ”

ኣብ ጆሃንስበርግ: ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነብራ ለስሊን ካሮሊንን: ጥሮተኛታት ኣብ ዝነብርሉ ሓለዋ ዝግበረሉ ቦታ ንዝቕመጡ ሰባት በብተራ ቴለፎን እናደወላ ይምስክራሎም ነበራ። ዝበዝሑ ኣብ ቤቶም ኣይተረኽቡን: እቶም ኣብ ቤቶም እተረኽቡ እውን ነቲ ክርስትያናዊ መልእኽተን ብዙሕ ተገዳስነት ኣይነበሮምን፣ ስለዚ ካሮሊን ደዊላ ምላሽ ዝሃበት ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ረኸበት ተተባቢዓ ኢያ።

ካሮሊን “እንዳ ሚስስ ቢ- ድዩ፧” ኢላ ሓተተት።

ብምቕሉል ኣዘራርባ “ኣይኰነን። ኣነ ሚስስ ጂ- ኢየ። ጌጋ ቝጽሪ ኢኺ ደዊልኪ” ዝብል መልሲ ሰምዐት።

ካሮሊን ነቲ ምቕሉል ኣዘራርባ እታ ሰበይቲ ስለ ዘስተውዓለትሉ “ንሚስስ ቢ- ክነግራ ሓሲበ ዝነበርኩ ነገር በሊ ኽነግረኪ” ድሕሪ ምባል: ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ምስ መጸት ብዛዕባ ዝህሉ በረኸታት ገለጸትላ። ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር ከተብጽሓላ ቘጸራ ምስ ገበራ: ሚስስ ጂ- “ንምዃኑ እንታይ ኢዩ ሃይማኖትኪ፧” ኢላ ሓተተታ።

ካሮሊን ድማ “ናይ የሆዋ ምስክር ኢየ” ኢላ መለሰትላ።

“ካባታቶም ዲኺ! በሊ ኽትመጽኒ ኣይደልን ኢየ”

ካሮሊን ግን “ሚስስ ጂ-: ን20 ደቓይቕ ዝኸውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እናጠቐስኩ ድሕሪ ሓጺር እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅ​ሰብ እንታይ ከም እተምጽኣሎም ዘደንቕ ተስፋታት ከካፍለኪ ጸኒሐ። እዚ ነገራት እዚ ባህ ኢሉኪ ብዙሕ እውን ተሓጒስኪ: ዝያዳ ኽትማሃሪ ኸኣ ደሊኺ። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ትፈልጥዮ እንታይ ነገር ኣሎ፧ እንተ ትሓሚ ናብ መካኒክ ምኸድክዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ከም ዝኣምኑ ንምንታይ ባዕለይ ዘይነግረኪ፧” በለታ።

ንሓጺር እዋን ጸጥታ ድሕሪ ምስፋኑ “ሓቅኺ መስለኒ። ምጺ እምበኣር። ፈጺምኪ ሃይማኖተይ ከም ዘይተቐይርኒ ግን ክትፈልጢ ኣሎኪ!” ዝብል መልሲ ሰምዐት።

ካሮሊን ከኣ “ሚስስ ጂ-: ዋላ እውን እንተ ደለኹ እምነትኪ ኸቐይረኪ ፈጺመ ኣይክእልን ኢየ። የሆዋ ጥራይ ኢዩ ነዚ ዝከኣሎ” ኢላ መለሰትላ።

ነታ ብሮሹር ንኸተብጽሓላ እተገብረ ቘጸራ ዕዉት ነበረ: ካልእ ግዜ ተመሊሳ ንኽትመጻ ድማ ሚስስ ጂ- (ቤቲ) ፍቓደኛ ዀነት። ካሮሊን ተመሊሳ ምስ ከደታ ቤቲ: ነተን ሰብ መቝርሳ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምይይጥ ጀሚራ ምህላዋ ከም ዝነገረተን: ንሳተን ድማ ኣእዳወን እናወናጨፋ “ከመይ ገይርኪ ከምኡ ትገብሪ፧ ንሳቶም ኣብ የሱስ እኳ ኣይኣምኑን ኢዮም!” ከም ዝበላኣ ሓበረታ።

ካሮሊን ድማ ንቤቲ ፍረ ነገር ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገበርኦ ምይይጥ ኣዘኻኸረታ።

“መን ኢዩ እቲ ንጉስ፧” ኢላ ሓተተታ።

ቤቲ “የሱስ እምበር መን ድኣ” ኢላ መለሰት።

ካሮሊን “ልክዕ ኣለኺ” በለታ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር የሱስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ ኢሎም ድኣ እምበር ምስ ኣምላኽ ማዕረ ዝዀነ ክፍሊ ስላሴ ኢዩ ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ገለጸትላ።​—⁠ማርቆስ 13:⁠32፣ ሉቃስ 22:⁠42፣ ዮሃንስ 14:⁠28

ንእተወሰነ እዋን እናተመላለሰት ምስ በጽሓታ: ቤቲ ብሩህን ሕጉስን ኣረኣእያ እኳ እንተለዋ ናይ ጥዕና ጸገም የሳቕያ ኸም ዘሎ ንጹር ኰነ። አረ ሕማም መንሽሮ ስለ ዝነበራ እውን ከይትመውት ትፈርህ ነበረት። “እዚ ነገር እዚ ኣቐዲመ ሰሚዐዮ እንተ ዝኸውን እሞ ከምዚ ናትኪ እምነት እንተ ዝህልወኒ ጽቡቕ ነይሩ” ኸኣ በለት። ካሮሊን ድማ ሞት ከም ዓሚቝ ድቃስ ምዃኑን ኣብ ትንሳኤ ኽትትንስእ ኸም እትኽእልን ዝገልጽ ጥቕስታት ብምርኣይ ኣጸናንዓታ። (ዮሃንስ 11:⁠11, 25) እዚ ንቤቲ ብዙሕ ሓገዛ: ኣብዚ እዋን እዚውን ስርዓታዊት ኰይና መጽሓፍ ቅዱስ ተጽንዕ ኣላ። ጥዕና ስለ ዘይብላ ግን ናብ ኣደራሽ መንግስቲ ብምኻድ ኣብ ኣኼባታት ክትካፈል ኣይከኣለትን።

ካሮሊን ብዛዕባ እዚ ተመክሮ ኸምዚ በለት:- “መላእኽቲ ነዚ ዕዮ እዚ ይመርሕዎ ኸም ዘለዉ ብንጹር ኢየ ዝርእዮ ዘለኹ። ንቤቲ ጌጋ ቝጽሪ ደዊለ ኢየ ረኺበያ: ጓል 89 ዓመት ምዃና ድማ ኣይንረስዕ!”​—⁠ራእይ 14:⁠6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ