ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/11 ገጽ 32
  • “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/11 ገጽ 32

“ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና”

“እተፈቶኻ ሩፐርት ዓርከይ! ሎሚ መዓልቲ ንሞት ተፈሪደ። ብኣይ ኣይትሕዘን። ንዓኻን ንዅሎም ምሳኻ ዘለዉን ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና።”

ብ8 ሰነ 1942 ፍራንትስ ድሮዝግ ብወተሃደራት ናዚ ቀቅድሚ ምርሻኑ ነዘን ቃላት እዚኣተን ጸሓፈ። ስለምንታይ ኢዩ ግን እተረሸነ፧

ብመሰረት ሰነዳት ናይቲ ኣብ ማሪቦር: ስሎቨንያ: ዝርከብ ቤተ-መዘክር ሃገራዊ ሓርነት: እዚ ወዲ 38 ዓመት ዝነበረ ሓጓዳይ: ኣባል ናይቲ ጀርመን ትቈጻጸሮ ኣብ ዝነበረት ክፍሊ ስሎቨንያ ዝነበረ ቫርማንሻፍት ዝበሃል ሓውሲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ምዃን ስለ ዝኣበየ ኢዩ። ሓደ ኻብቶም ኣብቲ ዓዲ እቲ ቢበልፎርሸር ወይ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ኢዩ ነይሩ። ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ዘሎ ሓሳባት ብምስምማዕ: ነቲ ናዚ ዝገብሮ ዝነበረ ውግእ ምድጋፍ ኣበየ: ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝግዛእ ምዃኑ ድማ ገለጸ።—ማቴዎስ 6:33

ፍራንትስ ኣብታ ፕቱይ እትበሃል ዓዱ: ቀናእ ሰባኺ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዝፍለጥ ነይሩ። (ማቴዎስ 24:14) ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ኣብ ግንቦት 1942 ኽሳዕ ዝእሰር ከይተሓለለ ብስራት ይሰብኽ ነበረ።

ብዙሓት ስሎቨንያውያን መሰኻኽር የሆዋ ብስርዓት ናዚ ብዙሕ መስጐጕቲ ወሪድዎም ኢዩ። ፍራንትስ ሓደ ኻብዞም ብምኽንያት ሃይማኖታዊ እምነቶም እተቐትሉ ቐዳሞት ሰባት ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት በተን “ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንአቱ ይግብኣና እዩ” ዝብላ ቓላት ተበራቲዑ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:22) እታ ሰማያዊት መንግስቲ ብሓቂ ኸም ዘላ ገይሩ ይኣምን ምንባሩ ኣብተን “ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የራኽበና” ዝብላ ናይ መወዳእታ ቓላቱ ተራእዩ ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Franc Drozg: Photo Archive-Museum of National Liberation Maribor, Slovenia; letter: Original kept in Museum of National Liberation Maribor, Slovenia

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ