ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
እቲ ተመን ንሄዋን ብዛዕባ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም እተዋህበ ትእዛዝ ክትጥሕስ ዝገልጽ ሓሳብ ብኸመይ ዝበለ መገዲ ኢዩ ኣመሓላሊፉላ፧
ዘፍጥረት 3:1 ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧ በላ።” እቲ ተመን ምስ ሄዋን እተረዳድኣሉ መገዲ ብኸመይ ምዃኑ ዝገልጽ እተፈላለየ ርእይቶታት ተዋሂቡ ኢዩ። ሓደ ካብቲ እተዋህበ ሓሳብ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ተጠቒሙ ዝብል ኢዩ። ጆሴፍ ቤንሰን እተባህለ እንግሊዛዊ ኻህን ከምዚ ዝብል ርእይቶ ሃበ:- “ብገለ ዓይነት ምልክት ኢዩ ተዛሪብዋ ክኸውን ዝኽእል። ገለ ገለ ሰባት ካብቲ ተመን ሽዑ ዝነበሮ ፍሉጥ ባህርያት ናይ ምሕሳብ ክእለትን ዘረባን ከም ዝዀነ ኢዮም ዝኣምኑ: . . . ብዛዕባ እዚ ግን ጭቡጥ መርትዖ የለን።”
ይኹን እምበር: እቲ ተመን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ጥራይ ብምጥቃም ከመይ ገይሩ ኢዩ ሄዋን ካብታ ክልክልቲ ፍረ ኦም ወሲዳ እንተድኣ በሊዓ ከም ኣምላኽ ከም እትኸውን: ጽቡቕን ክፉእን ምውሳን ከኣ ከም እትኽእል ክገልጸላ ዝኽኣለ፧ ብዘይዚውን: ነቲ ተመን ዘቕረበላ ሕቶ ብምምላስ ኣብቲ ዝርርብ ተሳቲፋ ኢያ። (ዘፍጥረት 3:2-5) እቲ ተመን ብምልክት ወይ ብምንቅስቓስ ጥራይ ኢዩ ተረዳዲኡ ዝብል ኣረኣእያ: ሄዋን እውን ብኣካላዊ ምንቅስቓስ ኢያ መሊሳትሉ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝመርሕ ክኸውን ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን ከም እተዛረበት ኢዩ ዝገልጸልና።
ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ፍጻመ እዚ ኣመልኪቱ ንብጾቱ ክርስትያናት ከጠንቅቖም ከሎ “ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም . . . ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ” በለ። እቲ ጳውሎስ እተዛረበሉ ሓደጋ ካብ “ሃዋርያት ሓሶት: ዚጥብሩ ዓየይቲ” ዝመጸ ኢዩ። እዞም “ብሉጻት ሃዋርያት” ዘሕደርዎ ስግኣት ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ብናይ ምልክት ቋንቋን ኣይኰኑን ኣቕሪቦምዎ። ዘረብኦም ንሰባት ንምግጋይ ዘውስእዎ ጕርሒ ዝመልኦ ቓላቶም ዘጠቓልል ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:3-5, 13
ኣብ ገነት ኤደን ንሄዋን ንምትላል እተገብረ ውዲት ብመልክዕ ዘረባ ዝቐረበ እኳ እንተ ነበረ: ተመን ናይ ድምጺ ኣውታር ነይርዎ ኢዩ ንኽንብል ዝገብረና ዝዀነ ይኹን መርትዖ የለን። ብሓቂ ድማ ኣየድልዮን ኢዩ ነይሩ። መልኣኽ ኣምላኽ ንበላዓም ብኣንስተይቲ ኣድጊ ኣቢሉ ኽዛረቦ ኸሎ: እታ እንስሳ ምስ ናይ ሰብ ዝመሳሰል እተሓላለኸ ሳጹን ድምጺ ኣየድለያን። (ዘሁልቍ 22:26-31) እዛ ‘በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ እተዛረበት’ ካብ መንፈሳዊ ኣካል ብእተዋህባ ሓይሊ ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 2:16
እቲ ንሄዋን እተዛረባ ብድሕሪ እቲ ተመን ዝነበረ መንፈሳዊ ፍጥረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ድያብሎስን ሰይጣንን . . . ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ኣሎ። (ራእይ 12:9) እቲ ሄዋን ሰሚዓ ምላሽ ዝሃበትሉ ዝስማዕ ድምጺ ምንጩ እቲ ‘ንመልኣኽ ብርሃን ዘምስል’ ሰይጣን ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 11:14
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
‘ከም ኣምላኽ ክትኰኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም’