ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/10 ገጽ 19
  • ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምርካቦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምርካቦም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንተማሃሮ ናብታ ብድሕሪ እቲ ስምና ዘላ ማሕበር ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ዝምህር: ዝድርኽ: ከምኡውን ዘበራትዕ መሳርሒታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ቪድዮታት ኣብ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎ ጽልዋ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/10 ገጽ 19

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰባት ምርካቦም

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእተኻእሎም መጠን ንዅሉ ሰብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከብጽሑ ይጽዕሩ ኢዮም። ሓድሓደ ግዜ: ነቶም ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት ንምርካብ ብዙሕ ጻዕሪ ምግባር የድሊ ኢዩ። (ማርቆስ 13:⁠10) ሓደ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ሃገር ዝነብር ፍሉይ ፓይነር ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ተመክሮኡ የዘንቱ።

“ሓደ መዓልቲ ናይቲ ዞባዊ መንግስቲ ኣመሓዳሪ ናብቲ ኣነን በዓልቲ ቤተይን እተመደብናሉ ኸባቢ ኽበጽሕ ከም ዝመጽእ ሰማዕኩ። ሓደ ኻብቶም ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ኣብ ቤቶም ኬድካ ኽርከቡ ዘይክእሉ ብምዃኑ ደብዳበ ጽሒፈ ኣብ ውሽጡ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹርን ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝበሃላ መጻሕፍትን ካልእ እተፈላለየ ጽሑፋትን ሰደድኩሉ። ዕላማ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጽሑፍ ድማ ኣብ ደብዳበይ ገለጽኩሉ።

“ብዛዕባ እቲ ጽሑፋት ዘለዎ ርእይቶ ኽፈልጥ ደልየ ስለ ዝነበርኩ: ክንራኸብ ፍቓደኛ እንተ ዀይኑ ሓተትክዎ። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ኽረኽቦ ተፈቕደለይ እሞ እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ሒዘ ኸድኩ። ንኽልተ ሰዓት ዝኸውን ምስኡ ጸናሕኩ። እቲ ኣመሓዳሪ ነታ ቪድዮ ምስ ረኣያ: እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ ሓተትክዎ። ‘ከም ናትኩም ዝኣመሰለት ማሕበር ኣብ ምድሪ የላን። ነቲ ኻብ መንግስቲ እተዋህበኒ ፕሮጀክትታት ንምፍጻም ከማኻትኩም ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ዝህልዉኒ ደስ ምበለኒ!’ ኢሉ መለሰለይ። ድሕሪኡ ናብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ ማሕበርና ኸይደ ዝፈልጥ እንተ ዀይነ ሓተተኒ። ካብ ወዲ 14 ዓመት ኣትሒዘ ኽርእዮ ሸቶይ እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ: ዝርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ክበጽሕ ግን ኣጋጣሚ ኸም ዘይረኸብኩ ገለጽኩሉ። ብቐሊሉ ኽብጻሕ ዝከኣል ሸቶ ኣይነበረን። ኣተኲሩ ጠመተኒ እሞ ክኸይድ ከም ዝደልየኒ ገለጸለይ። ሕጋዊ ፍቓድ ከም ዝወሃበና ገበረ: ናይ ነፋሪት ቲከት ድማ ህያብ ሃበና!

“ሕጂ እዚ ኣመሓዳሪ እዚ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብቐጻሊ ይቕበል ኣሎ። ተስፋ እገብር ድሕሪ ሓጺር እዋን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንጅምረሉ ንኸውን።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ