ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/7 ገጽ 28
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እምነቶም ከቢድ ፈተና ኣሕሊፋ
    ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!
  • ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኣኽቢርካ ርኣዮ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣምላኽካ መን እዩ፧
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ኣይሰገዱን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/7 ገጽ 28

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም: 1 ጴጥሮስ 4:⁠3 ገለ ክርስትያናት ኣብ “ዘይሕጋዊ ኣምልኾ ጣኦት” ይካፈሉ ከም ዝነበሩ ትገልጽ። ኵሉ ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘይሕጋዊ ከምኡውን እተዀነነን እተኸልከለንዶ ኣይኰነን፧

እወ: ብኣረኣእያ ኣምላኽ ኵሉ ኣምልኾ ጣኦት ሕጋዊ ኣይኰነን። እቶም ስምረቱ ክረኽቡ ዝደልዩ ሰባት ኣምልኾ ጣኦት ክፍጽሙ ኣይክእሉን ኢዮም።​—⁠1 ቈረንቶስ 5:⁠11፣ ራእይ 21:⁠8

ይኹን እምበር: ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኣምልኾ ጣኦት ብኻልእ መገዲ ዝጥቀመሉ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ሓደ ኻብቲ ምኽንያት: ኣብ መንጎ ብዙሓት ናይ ጥንቲ ሃገራት: ኣምልኾ ጣኦት ልሙድ ኢዩ ነይሩ: ሰበ⁠-​ስልጣን ድማ ሕጋዊ ቐይዲ ኣይገብርሉን ኢዮም ነይሮም። እዚ ኽበሃል ከሎ ሕጊ እታ ሃገር ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኣምልኾ ጣኦት ኣይክልክልን ኢዩ ነይሩ። ገሊኡ ኣምልኾ ጣኦት ክፍሊ ሃገራዊ ወይ መንግስታዊ ፖሊሲ ኢዩ ነይሩ። በዚ መሰረት እዚ ገሊኣቶም ቅድሚ ክርስትያናት ምዃኖም ኣብቲ ‘ሕጋዊ ቐይዲ ዘይብሉ ኣምልኾ ጣኦት’ ይካፈሉ ነበሩ። (ትርጕም ሓዳስ ዓለም: ናይ 1950 ሕታም [እንግሊዝኛ]) ንኣብነት ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ብወርቂ እተሰርሐ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ምስሊ ምቛሙ ክጥቀስ ይከኣል ኢዩ። እቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዝነበሩ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ⁠-​ኔጎን ግን ኣይነምልኾን ኢና ኢሎም ኣበዩ።​—⁠ዳንኤል 3:⁠1-12

ብኻልእ ሸነኽ ክንርእዮ እንተ​ድኣ ዄንና ድማ መብዛሕትኡ ናይ ኣምላኾ ጣኦት ጽንብላት ምስ ዝዀነ ይኹን ባህርያዊ ሕጊ ወይ ምስቲ ኣብ ዝወረስናዮ ሕልና ተቐሪጹ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባር ኣጸቢቑ ዝጻረር ተግባራት ዘጠቓለለ ኢዩ። (ሮሜ 2:⁠14, 15) ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ዘይባህርያዊ’ ከምኡውን “ነውሪ” ዝዀነ ሕሱር ተግባራት ጠቒሱ ኣሎ: እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሃይማኖታዊ ጽንብላት ተተሓሒዙ ይፍጸም ነበረ። (ሮሜ 1:⁠26, 27) ኣብ ዘይሕጋዊ ኣምልኾ ጣኦት ዝካፈሉ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ እከይ ንኸይገብሩ ዝኽልክል ባህርያዊ ሕጊ ኣየቕልብሉን ኢዮም ነይሮም። እቶም ክርስትያን ዝዀኑ እምበኣር ነዚ ብልሽው ተግባራት እዚ ኽሓድግዎ ግቡእ ኢዩ ነይሩ።

ብተወሳኺ: እዚ ኣብቶም ኣይሁዳውያን ዘይኰኑ ሰባት ልሙድ ዝነበረ ናይ ኣምልኾ ጣኦት ተግባራት ብየሆዋ ኣምላኽ እተዀነነ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ዘይሕጋዊ ኢዩ ነይሩ።a​—⁠ቈሎሴ 3:⁠5-7

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:⁠3 ዘሎ ብቛንቋ ግሪኽ እተጻሕፈ ቃላት ቃል ብቓሉ “ሕጋዊ ዘይኰነ ኣምልኾ ጣኦታት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። እቲ ሓረግ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱሳት ብእተፈላለየ መገዲ ማለት “ውጉዝ ኣምልኾ ጣኦት” “ክልኩል ኣምልኾ ጣኦት” ከምኡውን “ዘይሕጋዊ ኣምልኾ ጣኦት” ብዝብል መግለጺታት ኢዩ ዝትርጐም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ