ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 15/6 ገጽ 32
  • “ናይ ፈታዊ ምቝሳል”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናይ ፈታዊ ምቝሳል”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 15/6 ገጽ 32

“ናይ ፈታዊ ምቝሳል”

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ገላትያ ዝነበሩ ክርስትያናት ገለ ማዕዳ ኸም ዘድልዮም ኣስተውዓለ። ስለዚ: ቅር ከይብሎም ኢሉ ኢዩ ዝኸውን “እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧” ኢሉ ሓተቶም።​—⁠ገላትያ 4:⁠16

ጳውሎስ ‘ሓቂ ብምንጋሩ’ ጸላኢኦም ኣይኰነን። እኳ ድኣስ ምስቲ “ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓት ኢዩ ተሰማሚዑ። (ምሳሌ 27:⁠6) ነቶም እተጋገዩ ሰባት ክብሮም ክትንክፎም ከም ዝኽእል ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ነቲ በዳሊ ዘድልዮ ተግሳጽ ዘይምሃብ: ፍቕሪ የሆዋ ኣምላኽ ኣየድልዮን ካብ ምባል ተፈልዩ ከም ዘይረአ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 12:⁠5-7) ስለዚ: ልዕሊ ዅሉ ብዛዕባ ነባሪ ጥቕሚ ናይታ ጉባኤ ብምሕሳብ እሙን ፈታዊ ዀይኑ ምዕዶ ኻብ ምሃብ ድሕር ኣይበለን።

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ የሱስ ክርስቶስ ‘ንዅሎም ኣህዛብ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ እናመሃርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም’ ብምባል ዝሃቦም መዝነት ይፍጽሙ ኣለዉ። እዞም ቅኑዓት ክርስትያናት እዚኣቶም ነዚ መዝነት እዚ ኽፍጽሙ ኸለዉ: ነቲ ግጉይ ሰረተ⁠-​እምነትን ዘይክርስትያናዊ ባህርያትን ዘቃልዕን ዝዅንንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ኣይዓባብጥዎን ኢዮም። (ማቴዎስ 15:⁠9፣ 23:⁠9፣ 28:⁠19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10) ክርሓቑ ዝግብኦም ጸላእቲ ዘይኰኑስ: ሓቀኛታት ፈተውቲ ዘንጸባርቕዎ ተገዳስነት ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ።

እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብመንፈስ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ጻድቕ ይውቅዓኒ: ለውሃት እዩ: ይዝለፈኒ: ዘይቲ ርእሲ እዩ: ርእሰይ ኣይእበዮ።”​—⁠መዝሙር 141:⁠5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ