ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/5 ገጽ 19
  • ስም ኣምላኽ ካብ ጸርፊ ናጻ ዀይኑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስም ኣምላኽ ካብ ጸርፊ ናጻ ዀይኑ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 20 ምስ መምህረይ ብኸመይ ኢየ ክሰማማዕ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን
  • ብኸመይ እየ ምስ መምህረይ ክሳነ ዝኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • መምህራን ስለምንታይ ኢዮም ዘድልዩና፧
    ንቕሑ!—2002
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/5 ገጽ 19

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ስም ኣምላኽ ካብ ጸርፊ ናጻ ዀይኑ

ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከምዚ ይብል:- “እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዚሐምዩኹም ዘለዉ: ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼመስግንዎ: ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣኻይዳኹም ኣጸብቑ።” (1 ጴጥሮስ 2:​12) ስለዚ እምበኣር ሓቀኛታት ክርስትያናት ስም ኣምላኽ ምእንቲ ኸየጽርፉ ኣኻይዳኦም ከጸብቑ ይጽዕሩ ኢዮም።

ኣብ ዛምብያ ሰናንጋ ኣብ ዝበሃል ምሕድግ ዝበለ ቦታ: ሓደ መምህር ካብ ገዝኡ ረድዮ ተሰርቀቶ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ ብስርቂ ኸሰሶም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ረድዮይ ሰሪቖምኒ ብምባል ነቲ ጕዳይ ናብ ፖሊስ ኣብጽሖ። ናብ ገዝኡ መጺኦም ከም ዝነበሩ መርትዖ ገይሩ ዘቕረቦ ኸኣ ወዲቑ ንዝጸንሖ ትራክት ኢዩ። እቶም ፖሊስ ግን ኣይኣመንዎን። ከይዱ ኣጸቢቑ ክምርምር ከኣ መኸርዎ።

ኣካል ሽማግለታት ነቶም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ገዛውቲ ናይቲ መምህር ዝሰብኩ ዝነበሩ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ነቲ መምህር ከይዶም ከዘራርብዎ ኣተባብዕዎም። ገለ ካብቶም ኣሕዋት ከይዶም ኣዘራረብዎ: ስም የሆዋ ካብ ጸርፊ ናጻ ኽገብርዎ ከም ዝደልዩ ድማ ገለጽሉ። ኣብ ዝርርቦም ሓደ መንእሰይ ኣብ ገዝኡ ከም ዝጸንሖም እሞ ትራክት ከም ዝሃብዎ ነገርዎ። በቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ ድማ እቲ መምህር ነቲ ሰብ ኣለለዮ። ክልቲኦም ኣባላት ናይ ሓደ ቤተ⁠-​ክርስትያን ኢዮም ነይሮም። እቲ መምህር ከኣ ነቲ መንእሰይ ኣዘራረቦ ንሱ ግን ኣሉ በለ። ሽዑ እቲ መምህር ነቲ ጕዳይ ምስ ወለዲ እቲ መንእሰይ ተዘራረበሉ እሞ ናብ ገዝኡ ተመልሰ። ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣደ እቲ መንእሰይ ነታ ረድዮ ሒዛ መጸቶ።

እቲ መምህር በዚ ተጣዒሱ ናብቶም ኣካል ሽማግለታት ቀሪቡ ብጌጋ ስለ ዝኸሰሶም ይቕረ ኽብልሉ ሓተቶም። እቶም ሽማግለታት ይቕረ በልሉ: ኵሉ ሰብ ንጹሃት ከም ዝዀኑ ምእንቲ ኽፈልጥ ግን ብኸመይ ነታ ረድዮኡ ከም ዝረኸባ ንዅሉ ኸፍልጥ ሓተትዎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ምልክታ ተነግረ: እዚ ኸኣ ንስም የሆዋ ካብ ጸርፊ ናጻ ከም ዝኸውን ገበሮ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ኸባቢ ኸይተሰከፉ ስብከቶም ክቕጽሉ ይኽእሉ ኢዮም።

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ኣፍሪቃ

ዛምብያ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ