ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/4 ገጽ 8
  • ህንዲ—“ፍልልይ ዘይዓግቶ ሓድነት”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ህንዲ—“ፍልልይ ዘይዓግቶ ሓድነት”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እዚ ዝበለጸ ዓይነት ሞያ ምዀነካዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ንኸተገልግል ድሉው ምዀንካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንዅሉ ዝቐረበ ዕድመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ዘይርሳዕ ሰናይ ግብሪ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/4 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ህንዲ⁠—​“ፍልልይ ዘይዓግቶ ሓድነት”

“ፍልልይ ዘይዓግቶ ሓድነት” ዝብል ጭርሖ ንሃገራዊ ውህደት ህንዲ ዝገልጽ ኢዩ። ኣብዛ ብዙሕ ዝዓይነቱ ባህሊ: ቋንቋ: ሃይማኖት: ዓሌት: ኣከዳድና ከምኡውን ኣመጋግባ ዘለዋ ሃገር ሓድነት ከተምጽእ ቀሊል ኣይኰነን። እንተዀነ ግን ከምዚ ዝበለ ሓድነት ኣብቶም ኣብ ህንዲ ኻብ እተፈላለየ ዞባዊ ምምሕዳራትን ግዝኣታትን ዝመጹ በብዓይነቱ ቛንቋታት ዝዛረቡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኣብ ዝርከብ ንዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘመሓድር ቤት ጽሕፈት ዝነብሩን ዝሰርሑን ወለንተኛታት ዓየይቲ ተራእዩ ኢዩ።

• ካብ ፑንጃብ: ሰሜን ምዕራብ ጫፍ ህንዲ ዝመጸት ራዥራኒ እስከ ከም ኣብነት ንውሰድ። ራዥራኒ ተማሃሪት ከላ ሓንቲ መማህርታ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀሚራ ነበረት። ንራዥራኒ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከተሕድረላ ትጽዕር ነበረት። እታ ተማሃሪት ንቛንቋ እንግሊዝኛ ኣጸቢቓ ስለ ዘይትመልኮ ኣብቲ ግዜቲ ኸኣ ብቋንቋ ፑንጃብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሔት ስለ ዘይነበረ ነቲ ትሕዝቶ ናይቲ ጽሑፍ ንኽትርጕመላ ንራዥራኒ ሓተተታ። ራዥራኒ ምንም እኳ ናይ ስድራቤት ምጽራር እንተ ኣጋጠማ እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዘንበበቶ ኣዕሚቑ ስለ ዝተንከፋ ምዕባለ ገይራ ህይወታ ንየሆዋ ክሳዕ ምውፋይ ክትበጽሕ ኸኣለት። ሎሚ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝርከብ ቤትኤል እናገልገለት ልክዕ ከምቲ ንሓቂ ዓይና ዝኸፈተላ ነገር ትገብር ኣላ። እዚ ኸኣ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ፑንጃብ ምትርጓም ኢዩ።

• ቢዦ ካብ ካልእ ወገን: ካብ ኼራላ: ደቡባዊ ምዕራብ ህንዲ ኢዩ መጺኡ። ቢዦ ኣብ ሃገራዊ ጽንብል ገለልተኛ ኣቕዋም ስለ ዝወሰደ ካብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተሰጐ። ቀጺሉ እቲ ጕዳይ ኣብ ቤት ፍርዲ ክጓተት ድሕሪ ምጽንሑ ነቲ ጽሩይ ኣምልኾ ዝድግፍ ታሪኻዊ ዓወት ተረኽበ: ቢዦ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቱ ተመልሰ።a ኮሌጅ ኣትዩ ኸኣ ትምህርቱ ቐጸለ። እንተዀነ ግን እቲ ኣብቲ ኮሌጅ ዝርአ ዘይስነ⁠-​ምግባር ሕልንኡ ስለ ዝረበሾ ትምህርቱ ኣቋረጸ። ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤትኤል ድሕሪ ምጽንሑ ዝለዓለ ትምህርቲ ኻብ ምቕጻል ኣባል ናይቲ ብእተፈላለዩ ዓይነት ሰባት ዝቘመ ግን ከኣ ሓድነት ዘለዎ ስድራ ቤትኤል ብምዃኑ ከም እተጠቕመ ኢዩ ዝኣምን።

• ኖርማን ሊሊን ዕድሚአን ልዕሊ 70 ዓመት ዝበጽሕ መበለታት ኢየን። ክልቲአን እውን ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚደን ኢየን። ሊሊ ንገለ 20 ዓመታት ናይ ታሚን ቋንቋ ተርጓሚት ኰይና ኣገልጊላ ኢያ። ኖርማ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ቤትኤል ካብ እትኣቱ 13 ዓመት ገይራ ኣላ። ንጡፋትን ጥንቁቓትን ኣብ ርእሲ ምዃነን በቲ ዘንጸባርቕኦ መንፈስ ሓድነት እውን ንምሉእ ስድራ ቤትኤል ሰናይ ጽልዋ ኢየን ዝዀነኦ። ንበጻሕቲ ምእንጋድን ምስቶም ንኣሽቱ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ምሕባርን የሐጕሰን ኢዩ: ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ክርስትያናዊ ናብራ ብምንባር ዝረኸብኦ ሓጐስ እውን የካፍላ ኢየን። እቶም ነኣሽቱውን ብግዲኦም ናብ ክፍሎም ይዕድምወን: ከድሊ ኸሎ ኸኣ ሓገዞም ብምውፋይ እጃሞም የበርክቱ። ከመይ ዝበላ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢየን!

 እዞም ወለንተኛታት እዚኣቶም ነቲ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ግርጭትን ባእስን ዘምጽእ ፍልልያት ብምስናፍ: ኣባላት ናይቲ ኣብ ህንዲ ዘሎ ሓድነት ዝመልኦ ስድራ ቤትኤል ኰይኖም ንኻልኦት ንምግልጋል ተሓጒሶም ብሓድነት ይሰርሑ ኣለዉ።⁠—​መዝሙር 133:⁠1

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 1 ሕዳር 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 21 ርአ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Background: Mountain High Maps® Copyright © 1997 Digital Wisdom, Inc.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ