ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/3 ገጽ 3-4
  • ብሓቂ ሕጉስ ክትከውን ትኽእልዶ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብሓቂ ሕጉስ ክትከውን ትኽእልዶ ኢኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነታ መገዲ ብኸመይ ትረኽባ፧
    ንቕሑ!—2018
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ እትረኽበሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/3 ገጽ 3-4

ብሓቂ ሕጉስ ክትከውን ትኽእልዶ ኢኻ፧

ጆርጅ ብፍሽሑው ገጽ ኢዩ ንሰባት ሰላምታ ዝህብ። ህይወት ማለት ንዕኡ ክትሕጐሰላ ዘሎካ ክብርቲ ውህበት ኢያ ነይራ። ሕጉስን ትስፉውን ኢዩ ነይሩ፣ እርጋን ምስ ኣርከቦ እውን ከይተረፈ ሓጐሱ ኣይጐደለን። ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ሕጉስ ሰብ ምንባሩ ኢዩ ዝፍለጥ። ከም ጆርጅ ሕጉስዶ ኢኻ፧ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኽንሕጐሰላ ከም እተዋህበትና ውህበት ገይርካ ዲኻ እትርእያ: ወይስ መዓልቲ መጸ ኢኻ ቅጭ ዝመጽኣካን ዝጽላኣካን፧ ሓጐስካ ዘጥፍኣልካ ነገር ኣሎዶ ኢዩ፧

እታ ሓጐስ እትብል ቃል ብተዛማዲ ቐጻሊ ዝዀነ ባህታ ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ነቲ ኸም ዕግበትን ዓሚቝ ባህታን ዝኣመሰለ ስምዒታት ዘጠቓልል ከምኡውን ነቲ ዝረኸብካዮ ባህታ ቀጻሊ ክኸውን ባህጊ ዝንጸባረቐሉ ኢዩ። ብሓቂ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጐስ ኣሎዶ ኢዩ፧

ሎሚ ዘሎ ሕብረተሰብ: ሰባት እኹል ሃብቲ እንተ ዝረኽቡ ሕጉሳት ምዀኑ ነይሮም ዝብል ኣረኣእያ ኣለዎ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሃብታማት ንኽዀኑ ክቱር ጻዕሪ ስለ ዝገብሩ ዕረፍቲ የብሎምን። ብሰንኩ ኸኣ ምስ ካልኦት ሰባት ዝነበሮም ርክብን ካልእ ንህይወት ዘድሊ ነገራትን መስዋእቲ ዝገብሩ ብዙሓት ኢዮም። ከም ኣብ ጒላ ዘለዉ ጻጸ ወትሩ ናብዝን ናብትን ይጐዩ: እንታይ ከም ዝገብሩ ዘለዉ ንኸስተንትኑን ንሓድሕዶም ንኽራኸቡን እውን ግዜ የብሎምን። ስለዚ እምበኣር እቲ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ታይምስ (እንግሊዝኛ) ዝወጸ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ እንተ በለ ኣየገርምን ኢዩ:- “ቍጽሪ ናይቶም ብጭንቀት ዝሳቐዩ ሰባት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎ: እቲ [ጭንቀት] ዝጅምረሉ ዕድመ ኻብ ግዜ ናብ ግዜ እናወረደ ይኸይድ ኣሎ። . . . ፈውሲ ጭንቀት ሓደ ኻብቲ ብዙሕ ዕዳጋ ረኺቡ ዘሎ ኣፋውስ ኢዩ።” ብዙሓት ሰባት እተኣገደ ኣፋውስ ይወስዱ ወይ ጸገማቶም ንኽርስዑ ኣብ ኣልኮላዊ መስተ ይእለኹ። ገሊኣቶም ክጭነቑ ኸለዉ ፈንጠዝያ ናብ ዝርከቦ ቦታ ይኸዱ። ኣብ ሓደ መጽናዕቲ “ደቂ ኣንስትዮ ሓጐስ ምእንቲ ክረኽባ ዕዳጋ ናይ ምኻድ ዝያዳ ዝንባለ ዘለወን ኰይነን ተረኺበን” ብምባል እቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝሕተም ዘ ጋርድያን ዝበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ሓቢሩ። “ጭንቀት ክስምዐን ከሎ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝዛይድ ግዜ ኢየን ንዕዳጋ ዝኸዳ።”

እንተዀነ ግን: ሓቀኛ ሓጐስ ኣብ ድኳናት: ኣብ መስተ: ከኒና: ስሪንጋ: ወይ ኣብ ናይ ባንክ ሕሳብ ኣይርከብን ኢዩ። ሓጐስ ብናጻ ዝርከብ ደኣ እምበር ዝዕደግ ኣይኰነን። እዚ ክቡር ውህበት እዚ ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል፧ ነዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ክንሪኦ ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ