ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w01 1/2 ገጽ 32
  • “ንሕምብርትኻ ፈውሲ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንሕምብርትኻ ፈውሲ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
w01 1/2 ገጽ 32

“ንሕምብርትኻ ፈውሲ”

ሓያሎ ሕማማት ደቅሰብ ካብ ከም ፍርሂ: ጓሂ: ቅንኢ: ቂም: ጽልኢ: ከምኡውን ጸጸት ዝኣመሰለ ስምዒታዊ ጸቕጥታት ከም ዝለዓል ይእመነሉ ኢዩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: መጽሓፍ ቅዱስ ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር’ “ንሕምብርትኻ ፈውሲ: ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ” ኢዩ ምባሉስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!—ምሳሌ 3:7, 8

ኣዕጽምቲ ንኣካልና ደገፍ ብምዃን ቅርጺ ዘትሕዝ ኢዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ‘ኣዕጽምቲ’ እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ ንዅለንትና ሰብ: ብፍላይ ከኣ ውሽጣዊ ስምዒታቱ ክትንከፍ ከሎ ከም ዘመልክት ገይሩ ኢዩ ተጠቒምሉ ዘሎ። እንተዀነ ግን: ፍርሃት የሆዋ ‘ንሕምብርቲ ፈውሲ’ ዝኸውን ብኸመይ ኢዩ፧

ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁራት ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ብዛዕባ ዘላ ‘ሕምብርቲ’ እትብል ቃል እተፈላለየ ሓሳባት ኢዮም ዝህቡ። ሓደ ወሃብ ርእይቶ ሓሳቡ ኽገልጽ ከሎ ‘ሕምብርቲ’ “ኣብ ማእከል ኣካልና” ስለ እትርከብ: ንዅሉ ኣገዳሲ ክፍሊ ኣካላትና ክትውክል ከም እትኽእል ይዛረብ። ካልእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከኣ እታ ‘ሕምብርቲ’ እትብል ቃል ከምቲ ኣብ ህዝቅኤል 16:4 ተጠቒሙላ ዘሎ ዕትብቲ ዝብል ትርጕም ክትሕዝ ትኽእል ኢያ ዝብል ሓሳባት ሃበ። እዚ ትኽክል እንተድኣ ዀይኑ: ምሳሌ 3:8 ከምቲ ሓደ ድቂ ምግቢ ንምርካብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣዲኡ ዝጽጋዕ: ንሕና እውን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ከም ዘድልየና እተጕልሕ ክትከውን ትኽእል ኢያ። ‘ሕምብርቲ’ ንጭዋዳታትናን ጅማውትናን ከመልክት ይኽእል ኢዩ ዝብል ካልእ ሓሳብ እውን ኣሎ። ኣብ ትሕዝቶ ናይዛ ጥቕሲ እዚኣ: ጭዋዳታትናን ጅማውትናን ምስቲ ኣዝዩ ተሪር ‘ኣዕጽምቲ’ ተነጻጺሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ዝርዝር ትርጕሙ እቲ ይኹን እቲ ብዘየገድስ: ሓደ ዘየተሓታትት ነገር ኣሎ:- ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሂ ምርኣይ ጥበብ ኢዩ። ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምምልላስ ኣብዚ እዋን እዚ ንኣካላዊ ጥዕናና ኣበርክቶ ይገብር ኢዩ። ብዝያዳ ኸኣ ስምረት የሆዋ ክንረክብ ንኽእል: እዚ ድማ ኣብታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ምሉእ ጥዕና ማለት ኣካላውን ስምዒታውን ጥዕና ዘለዎ ዘለኣለማዊ ህይወት ንኽንረክብ የኽእለና ኢዩ።—ኢሳይያስ 33:24፣ ራእይ 21:4፣ 22:2

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Dr. G. Moscoso/SPL/Photo Researchers

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ