ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/11 ገጽ 32
  • ውሽጣዊ ጽባቐ ዘይሃስስ ዋጋ ኣለዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውሽጣዊ ጽባቐ ዘይሃስስ ዋጋ ኣለዎ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/11 ገጽ 32

ውሽጣዊ ጽባቐ ዘይሃስስ ዋጋ ኣለዎ

ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ እሙን ክርስትያን: “መንእሰይ ንጽባቐ ምስ ውርዝውና ኣመዓራርዩ ኢዩ ዝርኢ” በለ።

እወ: ወድሰብ ንነዊሕ እዋን ኣብ ደጋዊ ጽባቐ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣትኩሮ ክገብር ጸኒሑ: መብዛሕትኡ እዋን ከኣ ብዛዕባ ውሽጣዊ ባህርያት ጌጋ ግምት ከም ዝወስድ ገይርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር: ፈጣሪና ደጋዊ ትርኢትና ብዘየገድስ ንውሽጣዊ እንታይነትና ኢዩ ዝርኢ። በዚ ኸምዚ ድማ ጽቡቕ ኣብነት ናይ ብስለት ዘለዎ ምምዝዛን ኢዩ ኣርእዩና። ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ተዛረበ:- “እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን: ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ: እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ።”​—⁠1 ሳሙኤል 16:⁠7

ኣምላኽ ምንጪ ናይ ሓቀኛ ጽባቐ ወድሰብ ኢዩ: ናይ ሰብ ሓቀኛ ጠባይ ክግምግም ከሎ ኸኣ ነቲ መንፈሳዊ ባህርያት ዝያዳ ግምት ከም ዝህቦ ቃሉ ይገልጽ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ: ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ: ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንአድ።” (ምሳሌ 31:⁠30) ርግጽ ኢዩ: ደጋዊ ውቃበ ንውሽጣዊ ክፍኣት ይሽፍኖ ይኸውን። (ኣስቴር 1:⁠10-12፣ ምሳሌ 11:⁠22) ኣካላዊ ጽባቐ ምስ ግዜ ዝሃስስ እኳ እንተ​ዀነ: ውሽጣዊ ጽባቐ ማለት ካብ ልቢ ዝምንጭ ባህርያት ግን ንሓዋሩ እናማዕበለ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ።

ስለዚ ከም ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ይኣኽለኒ ምባል ዝኣመሰለ ባህርያት ክንኵስኵስ ከመይ ዝበለ ጥበብ ኰን ኢዩ! (ገላትያ 5:⁠22, 23) እምበኣር ነቲ ፈጺሙ ዘይሃስስ ዋጋ ዘለዎ ውሽጣዊ ጽባቐ ከነጥሪ ንኽእል ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ