ናብ ሓደ ዘይርአ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእልዶ ኢኻ፧
‘ምስ ሓደ ክርእዮ ዘይክእል ኣካል ከመይ ገይረ ኢየ ጥብቂ ርክብ ክምስርት ዝኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። እዚ ተቐባልነት ዘለዎ ሕቶ ክመስል ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕስብ ኣብለሉ:-
ፍቕራውን ነባርን ርክብ ንምምስራት ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ዘድሊ፧ ኣገዳስነት ናይቲ ብዓይኒ ዘይርአ ረቛሒታት ማዕረ እቲ ዝርአ: ምናልባትውን ካብኡ ዝበልጽዶ ኣይኰነን፧ እወ: ብርግጽ ከምኡ ኢዩ! በዚ ምኽንያት እዚ ገለ ሰባት ብቐጻሊ ምስ ካልኦት ብምጽሕሓፍ ጥብቂ ርክብ ኣማዕቢሎም ኢዮም። ኣብ ደብዳበታቶም ዝፈትውዎ ወይ ዝጸልእዎ ነገራት: ሸቶታቶም: መትከሎም: ዘሐጕሶም ነገራት: ከምኡውን ካልእ ባህርያት ወይ ዘገድሶም ነገራት ብግልጺ ይጽሕፉ ኢዮም።
ዓይነ-ስውራን እውን ምስ ካልእ ሰብ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ምርኣይ ወሳኒ ከም ዘይኰነ ኣርእዮም ኢዮም። ኣብነት ናይ ኤድዋርድን ግወንን ዝበሃሉ ዓይነ-ስውራን ሰብ ሓዳር እስከ ርአ።a ኤድዋርድ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዓይነ-ስውራን ክማሃር ከሎ ምስታ መማህርቱ ዝነበረት ግወን ተራኸበ። ንባህርያት ግወን ብፍላይ ከኣ ኣብ ኣዘራርባኣን ጠባያን እተንጸባርቖ ቅንዕና ከምኡውን ንስራሕ ዘለዋ ሓለፍ ዝበለ ኣረኣእያ ነኣዶ። ግወን እውን ብግዴኣ ብኤድዋርድ ተሳሒባ ኢያ: “ንዅሉ እቲ ክዓቢ ከለኹ ኣድላዪ ኢዩ ኢለ ዝኣመንኩሉ ባህርያት ኣንጸባሪቑ ኢዩ” ኸኣ በለት። ንመርዓ ምልላይ ተጀመረ እሞ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተመራዓዉ።
ኤድዋርድ ከምዚ በለ:- “ብሓባር ክትከውን ከሎኻ: ምስ ካልእ ሰብ ርክብ ኣብ ምምስራት ዑረት መሰረታዊ ለውጢ ኣየምጽእን ኢዩ። ንሓድሕድካ ክትርአአ ኣይትኽእልን ትኸውን: ስምዒታት ግን ኣይዓውርን ኢዩ።” ሕጂ ድሕሪ 57 ዓመታት እውን ኣዝዮም ኢዮም ዝፋቐሩ። መፍትሕ ናይዚ ባህ ዘብል ርክብ እንተ ወሓደ ኣርባዕተ ነገራት ከም ዘጠቓልል ይገልጹ: እዚ ኸኣ (1) ንባህርያት ናይቲ ሓደ ምስትብሃል: (2) ብዛዕባ እቲ ባህርያት ምሕሳብን ናብኡ ምቕራብን: (3) ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ልምዲ ምዕቃብ: (4) ብሓባር ኴንካ ምዕያይ ኢዩ።
እዚ ኣርባዕተ ነጥብታት እዚ ንዝዀነ ይኹን ጽቡቕ ርክብ ክምስርት ዝብህግ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ፣ እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ኣዕሩኽ: ናይ መርዓ ብጾት: ዝያዳ ዅሉ ኸኣ ኣብ መንጎ ሰባትን ኣምላኽን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣምላኽ ክንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና ነዚ ነጥብታት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል: ምስኡ ጥብቂ ርክብ ንምምስራት ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእል ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክንርኢ ኢና።b
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣስማት ተቐይሩ ኢዩ።
b ምስ ኣምላኽ ዝግበር ርክብ ከምቲ ምስ ሰባት ዝግበር ርክብ ዘይኰነስ: ህላወኡ ኣብ ምእማን እተመስረተ ኢዩ። (እብራውያን 11:6) ኣብ ኣምላኽ ጽኑዕ እምነት ንምህናጽ ዝሕግዝ ዝርዝር ሓሳባት እንተድኣ ደሊኻ: በጃኻ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ርአ።