ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/10 ገጽ 32
  • መስተውዓሊ ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መስተውዓሊ ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/10 ገጽ 32

መስተውዓሊ ዲኻ፧

ሙሴ ንእስራኤላውያን ፈረድቲ ክሸመሎም ከሎ “ጠቢ​ባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት” ክረክብ ጽዒሩ ኢዩ። (ዘዳግም 1:⁠13) ብዕድመ ዝጥረ ተመክሮ ጥራይ እኹል መለክዒ ኣይነበረን። ጥበብን ምስትውዓልን እውን ኣድላዪ ነበረ።

መስተውዓሊ ሰብ ኣብ ዘረባኡን ኣካይድኡን ጽቡቕ ምምዝዛን የርኢ ኢዩ። ብዘይ​ዚውን ብመሰረት ወብስተርስ ናይንዝ ኒው ኮልጀይት ዲክሸነሪ: መስተውዓሊ ሰብ “ብልቦና ስቕ ክብል ይኽእል” ኢዩ። እወ: “ንምዝራብ . . . ጊዜ” ኣለዎ: ከምኡውን “ስቕ ንምባል ጊዜ” ኣለዎ፣ መስተውዓሊ ሰብ ከኣ ኣብ መንጎ እዚ ዘሎ ፍልልይ ይርድኦ ኢዩ። (መክብብ 3:⁠7) መብዛሕትኡ እዋን ስቕ ንምባል ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን: ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ” ይብል።​—⁠ምሳሌ 10:⁠19

ክርስትያናት ንሓድሕዶም ኣብ ዘለዎም ርክብ ብምስትውዓል ንኽመላለሱ ይጥንቀቑ ኢዮም። እቲ ብዙሕ ወይ ሓያል ዘረባ ዝዛረብ ሰብ: ወትሩ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ወይ ዝድለ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ሙሴ ‘ብቓሉ ብርቱዕ’ ምንባሩ ኣይትረስዑ: እንተ​ዀነ ግን ዓቕሊ: ትሕትና: ከምኡውን ርእሰ⁠-​ግትኣት እንተ ዘይኵስኵስ ነይሩ ንህዝቢ እስራኤል ብግቡእ ኣይምመርሖምን። (ግብሪ ሃዋርያት 7:⁠22) ስለዚ: እቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ስልጣን እተዋህቦም ሰባት ትሑታትን ምኽንያታውያንን ንምዃን ፍሉይ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም።​—⁠ምሳሌ 11:⁠2

እቶም የሱስ ክርስቶስ ኣብ “ኵሉ ገንዘቡ” ዝሸሞም ሰባት: ኣብ ቃል ኣምላኽ “እሙን ኣስተውዓሊ” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠45-47 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ርእሶም ክብ ብምባል ብድሌቶም ተደፋፊኦም የሆዋ ዘይገለጾ ነገር ኣየቃልሑን ኢዮም: ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ኣምላኽ ዝህቦ መምርሒ ንጹር ምስ ኰነሎም እውን ድሕርሕር ኣይብሉን ኢዮም። ንምዝራብ ይኹን ተወሳኺ መብርሂ ምእንቲ ክረኽቡ ስቕ ኢልካ ንምጽባይ ግዜኡ መዓስ ምዃኑ ይፈልጡ ኢዮም። ኵሎም ክርስትያናት ንእምነት ናይ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብምቕዳሕ ጥራይ ዘይኰነስ ከምቲ እቲ ክፍሊ ባርያ ዝገብሮ ብምግባር መስተውዓልቲ ምዃኖም እውን ምስ ዘርእዩ ሰናይ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 13:⁠7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ