ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 15/8 ገጽ 32
  • ካብ ባሕረኛ ዝቕሰም ትምህርቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ካብ ባሕረኛ ዝቕሰም ትምህርቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 15/8 ገጽ 32

ካብ ባሕረኛ ዝቕሰም ትምህርቲ

ኣብ ጸምጸም ባሕሪ ንበይንኻ ብጃልባ ምንስፋፍ ኣድካሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብሰንኪ ዘደንዝዝ ድኻም: ሓደ ባሕረኛ ብቐሊሉ ንሓደጋ ኸቃልዖ ዝኽእል ስሕተትን ግጉይ ውሳነን ክገብር ይኽእል። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ሓደ ባሕረኛ ንኣድላይነት መልህቕ ፍጹም ዕሽሽ ዘይብሎ። መልህቕ ንሓደ ዝደኸመ ባሕረኛ ኣንፈትካ ምስሓትን ኣብ ሓደጋ ምውዳቕን ዘየንጸላለዎ ዕረፍቲ ንኽገብርን ሓይሉ ኸሐድስን የኽእሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ነታ ጃልባ ናብቲ ንፋስን ማዕበልን ዝመጽኣሉ ኣንፈት ከም እትጥምት ብምግባር ካብ ናብዝን ናብትን ምልኻዕ የድሕና።

ከምቲ ባሕረኛታት ብዙሕ ሓደጋ ዘጓንፎም: ክርስትያናትውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘየቋርጽ ጸቕጥታት ስለ ዝወርዶም ዕረፍቲ ይደልዩ ኢዮም። ሓደ ግዜ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም: ሓንሳእ ክትዐርፉ ንዑናይ” ዝብል ሓሳብ ኣቕሪብሎም ነይሩ ኢዩ። (ማርቆስ 6:⁠31) ሎሚውን ገለ ሰባት ምስ ስድራ​ቤቶም ንሒደት ሰሙናት ወይ ድማ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ኣዕሪፎም ንኽምለሱ ይገሹ ኢዮም። እዚ እዋናት እዚ ዘሐድስን ዘነቓቕሕን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋናት ግን መንፈሳዊ ድሕንነትና ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ምህላዉ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ኣንፈትና ስሒትና ናብዝን ናብትን ምእንቲ ኸይንላኻዕ ከም መንፈሳዊ መልህቕ ኰይኑ ከጽንዓና ዝኽእል እንታይ ሓገዝ ኣሎና፧

የሆዋ ሳላ እቲ ዘይውዳእ ልግሱ ሓደ ምድላው ገይሩልና ኣሎ። እዚ ካብቲ ቕዱስ ቃል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መዓልቲ መዓልቲ ምንባቡ ምስ የሆዋ ጠቢቕና ንኽንመላለስን ፍጹም ካብኡ ንኸይንርሕቕን ከኽእለና ኢዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ምኽሪ ድማ ናብዝን ናብትን ከም ዘይንላኻዕ ከምኡውን ነቲ ካብ ሰይጣንን ካብዛ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ዓለምን ዝመጽእ ፈተናታት ከም እንቃወሞ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ስርዓታዊ ፕሮግራም ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ዝህልወና: ኣብቲ ካብ ናይ መዓልታዊ ናብራ መደባትና ወጻኢ እንዀነሉ ግዜ እውን ከይተረፈ ነቲ ፕሮግራም ምስ እንስዕቦ: መንፈሳዊ ድሕንነትና ዝሕሉ መልህቕ ኰይኑ ከገልግለና ይኽእል ኢዩ።​—⁠እያሱ 1:⁠7, 8፣ ቈሎሴ 2:⁠7

እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ብሕጊ እግዚኣብሄር . . . ዚፍሳህ: ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን: ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ” ብምባል የዘኻኽረና። (መዝሙር 1:⁠1, 2) ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብ “ብጹእ” ዝገብር ፍረ ከምጽኣልናን ብሓቂ ከሐድሰናን ከነቓቕሓናን ኢዩ: እዚ ኸኣ ክርስትያናዊ ምምልላስና ንምቕጻል ድሉዋት ክገብረና ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ