ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w00 1/6 ገጽ 32
  • ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምቕጻል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምቕጻል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
w00 1/6 ገጽ 32

ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምቕጻል

ተኣማንነት ብቐሊሉ ዘይርከብ ክቡር ነገር እኳ እንተዀነ: ኣገልገልቲ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ዝልለዩሉ ባህርይ ኢዩ። እሙን ሰብ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ ጸኒዑ ይቕጽል: ግዜ እንተ ሓለፈ እውን ነቕ ኣይብልን ኢዩ። ነቲ ቕኑዕ ንጉስ ዝነበረ ህዝቅያስ እሞ ዘክሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ ከምዚ ይብል:- “ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኵሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን።” ህዝቅያስ ፍሉይ ዝገብሮ ነገር እንታይ ኢዩ፧ ብኣምለኽቲ እቲ ሞሌኽ ዝብሃል ናይ ሓሶት ኣምላኽ እኳ እንተ ተኸበበ: “ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ።” እወ: ህዝቅያስ ንየሆዋ ‘ካብ ምስዓብ ኣየግለሰን: እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱውን ሓለወ።’—2 ነገስት 18:1-6

ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ዝቐጸለ ሰብ ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ክርስትያን ግሪኽ ቅዱሳት ጽሑፋት እንረኽቦ ብዛዕባ ኣገልግሎቱ ዝገልጽ ጸብጻብ ጳውሎስ ንኣምላኽ ብምሉእ ነፍሱ ከየባተኸ የገልግል ምንባሩ ንጹር ምስክርነት ይህብ። ጳውሎስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ምድራዊ ህይወቱ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ: እቲ ጕያ ወዲኤ: ነታ እምነት ሐልየ” ክብል ከኣለ።—2 ጢሞቴዎስ 4:7

ህዝቅያስን ጳውሎስን ኣየ ከመይ ዝበሉ ሰናይ ኣብነት ናይ ተኣማንነት ኢዮም ዝዀኑና! ነቲ ዓቢ ኣምላኽና የሆዋ እሙናት ኴንና ብምቕጻል ንእምነቶም ንቕድሓያ።—እብራውያን 13:7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ